ብዛዕባ ትምህርቲ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት፡ ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ንኺመያየጡሉ ካብ ዝጸገሞም ጕዳያት ሓደ እዩ ። እቲ ዘሐጕስ ግና ፡ ጾታዊ ጥዕና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣውስትራልያ ብሰፊሑ እዩ ዝውሃብ ፣ ወለዲ እውን ሕፍረት ወይ ነውራምነት ኰይኑ ከይስምዖም ንምግባር ፡ ብዙሕ ዝሕግዙ ነገራት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ። ኣብዚ ትሕዝቶ ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባዚ ክዝትዩ ዝሕግዝ ናይ ክኢላታት ምኽርታት ቀሪቡ ኣሎ።
Share





