Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

SBS Examines: ብዛዕባ ጸረ-ሴማውነት ንህጻናት ከመይ ገይርና ነዘራርቦም፧

U18 Germany And U18 Israel - Yad Vashem Visit

Experts told SBS Examines it's harder to navigate conversations about antisemitism with teenagers, as they spend more time online. (Photo by Lior Mizrahi/Bongarts/Getty Images) Source: Getty / Lior Mizrahi/Bongarts/Getty Images

መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ጸረ-ሴማውነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን (The Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion) ብዙሓት ግዳያትን ፈጸምትን ጸረ-ሴማውነት ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ከመይ ገይርና ነዚ ጉዳይ ምስ ዕድመ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ንዝትየሉ፧


Published

By Lera Shvets

Presented by SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ጸረ-ሴማውነትን ማሕበራዊ ምትእስሳርን (The Royal Commission on Antisemitism and Social Cohesion) ብዙሓት ግዳያትን ፈጸምትን ጸረ-ሴማውነት ኣብ ኣውስትራልያ ህጻናት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ከመይ ገይርና ነዚ ጉዳይ ምስ ዕድመ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ንዝትየሉ፧


ክኢላ ሕክምናዊ ስነኣእምሮ ኣማንዳ ጎርደን ንSBS Examines ከምዝሓበረቶ ቁጽሮም እናዓበየ ዝኸደ ስድራቤታት ብዛዕባ ጸረ-ሴማውነት ምስ ደቆም ከመይ ይዘራረቡ ምኽሪ ክህትቦም ናብኣ ክመጹ ጸኒሖም።

ህጻናት ከም'ዚኦም ዓይነታት ሕቶታት ሒዞም ይመጹ'ለዉ፡ ንምንታይ'ዮም ሰባት ኣይሁድ ዝጸልኡ፧ ድሕነት ኣለና ድዩ፧ ሓለውቲ ዘብዐኛታት ኣብ ቤት ትምህርትና ዘለዉ ንምንታይ'ዩ፧

ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ዝተፈላለየ መልሲ ይደልዩ ክትብል ትገልጽ።

መምህር ቅድመ ቁልዕነት ኦልጋ ዋይንትራውብ ኤልያ፡ ኣዝዮም ንኣሽቱ ህጻናት ከይተረፉ ኣገዳስነት ሕያውነትን ብዙሕነትን ክርድኡ ከምዝኽእሉ ገሊጻ።

"ፖለቲካዊ መግለጺታት ምሃብ ኣየድልየኩምን'ዩ፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ፍትሓውነት፡ ሕያውነትን፡ ምክብባርን ክትዛረቡ ወይ ከተዕልሉ ትኽእሉ ኢኹም፣" ትብል።

መምህር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝኾነት ሾሻና፣ እዚኦም ዕላላት ምስ ንኣሽቱ መንእሰያት ከተካይዶም ክብድ ዝበሉ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ትብል።

ጸረ-ሴማውነት ርእዮም (ተዓዚቦም) እንተኾይኖም ዘይኮነስ መዓስ ርእዮም ዝብል'ዩ።

ጸረ-ሴማዊ መበቆል ከምዘለዎም ከየስተውዓሉ ብዙሕ ግዜ ተመሃሮኣ ዋዛታት ወይ ሚማት (memes) ተኻፊሎም'ዮም ኢላ።

"ብዛዕብኦም ብቕንዕና ከተዘራርብዎም ክትክእሉ ኣለኩም. . . ኣብ ከም በዓል ጸረ-ሴማውነትን ዓሌትነትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክምጻእ እንከሎ ቅቡል ዝኾነ ኣተሓሳስባ እንታይ ይመስል ቅዲ (ሞዴል) ክትህብዎም ኣለኩም።"

ኣብ ናይ'ዚ ሰሙን ትሕዝቶ፣ SBS Examines - ንህጻናት ብዛዕባ ጸረሴማውነት ከመይ ገይርና ክንዛረቦም ይግበኣና፧ - ዝብል ሕቶ ከቕርብ'ዩ።

ደገፍ ቅልውላው ዝደልዩ ሰማዕቲ ብቁጽሪ 13 11 14 ንመስመር ሓገዝ Lifeline ክትረኽብዎም ትኽእሉ፣ ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ድማ መስመር ሓገዝ ህጻናት፣ Kids Helpline ብቁጽሪ 1800 55 1800 ክድውሉ ይኽእሉ።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now