ብምኽንያት ጥዕና ወይ ሃይማኖት ውሱን ዓይነት መግቢ ጥራይ ክትምገቡ ምስ ዝህልወኩም ከመይ ተማልእዎ?

GettyImages-2202444629.jpg

It's important that you tell the restaurant staff that you have a food allergy

ኣውስትራሊያ ዋና ከተማ ኣለርጂ ተባሂላ ከምትፍለጥ ትፈልጡ'ዶ፧ ህላወ ብዙሕነት ኣብ ህዝብታታ ማለት ሰባት ሃይማኖታዊ እምነቶም፡ ስነምግባራቶም፡ ጠለባት ጥዕንኦምን ውልቃዊ ምርጫታቶምን ብመንገዲ'ቲ ዝምገብዎ መግቢ ይገልጽዎ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ክኢላታት ብፍልጠት ዝተሞርኮሰ ምርጫታት መግቢ ክንገብር ዝሕግዙና ብዛዕባ ዝልጠፉ ኣስማት፡ መረጋገጺ ምስክር ወረቓቕቲን መሳለጥያታትን ከካፍሉና'ዮም።


ካብ ምኽባር ሃይማኖታዊ ቀይድታት መግቢ ናብ ስነምግባራዊን ኣብ ጥዕና ዝተሞርኮሱ ምርጫታት መግብን፡ ኩላትና ገለ ዓይነት ቀይድታት መግቢ ክህልወና ወይ ከምኡ ዘለዎ ንፈልጦ ሰብ ክህሉ ብዙሓት ዕድላት'ዮም ዘለዉ።

እስከ ብኣለርጂታት መግቢ ክንጅምር፡ እዚ ሸለል እንተተባሂሉ፡ ከቢድ ዝኾነ ወይ ቀታሊ'ውን ክኸውን ዝኽእል ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል። ክሳብ ሓደ ካብ ነብሲወከፍ 10 ኣውስትራሊያውያን ውልዶ ህጻናት ብመርመራ ዝተረጋገጸ ኣለርጂ መግቢ ኣለዎም፡ እንቋቕሖ እቲ ብብዝሒ ዝረአ ወይ ዘጋጥም'ዩ። ናይ በጽሒ ዕድመ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን ድማ ሓደ ካብ 50 ንኸውን ኣለርጂ መግቢ ይህልወና።

በዚ ምኽንያት'ዩ ንጹር ዝኾነ ኣሰያይማ ወይ ብላዕሊ ዝልጠፍ ኣስማት ድሕነት ሰባት ኣብ ምሕላው ኣገዳሲ ዝኾነ።

ኣብ መዐሸጊ መግቢ ኩሉ ግዜ ትሕዝቶታትን ንጥረነገራትን ይጸሓፉ ድዮም፧

መለክዒታት ጽሬት መግቢ ዝሕሉ Food Standards Australia New Zealand ተጠቀምቲ ንጥረነገራት/ቀመማት ብቐሊሉ ክፈልዩሎም ዝኽእሉ ንጹርን ቀሊልን ዝኾነ ኩሉ ዝርደኦ ኣሰያይማ ኣለርጂ Plain English Allergen Labelling ኣተኣታትዩ።

‘መግለጺ ወይ ዝርዝር ትሕዝቶታት 'Statement of ingredients'’

ኩሉ ዝተዓሸገ መግቢ ሕጂ ሓፈሻዊ ዝርዝር ኣስማት ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶ ወይ ንጥረነገራት፣ ‘statement of ingredients’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፣ ክህልዎ ኣለዎ።

እዚ መግለጺ ንጥረነገራት ኣብ ግሉጽ ዝኾነ ቦታ ኣብ ዘሎ ስም ክረኣዩ ኣለዎም፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ድሕሪ ገበር ናይ’ቲ ተጠርኒፍሉ ዘሎ ፓኬት። ኩሎም ንጥረነገራት ወይ ቀመማት ይዝርዝሮም፣ ኣብ’ቶም ብብዝሒ ዝረኣዩ ኣለርጂታት መግቢ ድማ ዝያዳ ኣትኩሮ ይገብር።

“እታ ብቀሊል እንግሊዝ ዝተጻሕፈት ቃል ክትደምቕ ኣለዋ። ንኣብነት፣ ኣጅቦ (ቺዝ) ይህልወኩም፣ ድሕሪኑ ኣብ ብራኬት ጸባ (ሚልክ) ዝብል ብድሙቕ ዝተጻሕፈ ይህልወኩም፣ ወይ ድማ ዓተር ሓደ ንጥረነገር እንተኾይኑ፣ እቲ (ፒናት) ዝብል ቃል ይደምቕ፣ ካብ’ቶም ካልኦት ዝተረፉ ዝርዝራት ንጥረነገራት ፍሉይ ኢሉ ይረአ፣ ብቐሊሉ ክትርእይዎ ትኽእሉ።" ኢንግሪድ ሮች ኣብ ኣለርጂ መግቢ ኣትኲራ ትሰርሕ ክኢላ ኣብ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣለርጂ ትመክር።
GettyImages-2161809042.jpg
Cereals that contain gluten—so wheat, rye, barley and oats—must also be listed on the label to advise those with Coeliac disease and gluten intolerance.
ከም በዓል ኣልመንድ (ለውዚ)፣ ካሺው፣ ሀይዘልናትን ማካዳሚያን ዝኣመሰሉ ጥረታትን ፍረታት ገረብን (ትሪ ናትስን) ነቶም ንሓዲኦም ኣለርጂ ዘለዎም ግን ከኣ ናይ’ቶም ካልኦት ኣለርጂ ዘይብሎም ንምሕጋዞም ተባሂሉ በይኖም ተዘርዚሮም ትርእይዎም።

ብተመሳሳሊ፣ መግብታት ባሕሪ (ክራስታሻ) በይኖም ተዘርዚሮም ኣለዉ፣ ምናልባት ኣለርጂ ፕሮውንስ ሃሊይዎም ግን ኣለርጂ ማስልስ ዘይብሎም እንተኾይኖም ተባሂሉ ንኣብነት።

ግሉተን ዝሓዙ ጥረምረታት (ሲሪያልስ) - ስርናይ፣ ሰዓ፣ ስገምን ኦትስን - ኣብ’ቲ ስም ክዝርዝሩ ኣለዎም ነቶም ሕማም ሲሊያክን ናይ ግሉተን ዘይምጽዋርን ጸገም ዘልዎም ምኽሪ ንምሃብ ተባሂሎም።

ትሕዝቶ ዝሕብር መሐበሪ፡ 'ኣለዎ፣ ዝሓዘ'ዩ፣' (The ‘contains’ statement)

እቲ ካልእ ብቀሊል እንግሊዝ ስም ምልጣፍ ክህሉ ዝጠልብ ነቲ ‘contains’ ዝብል መግለጺ’ዩ።
ስለ’ዚ ኣብ’ቲ መዐሸጊ መግቢ ዝርዝር ናይ’ቶም ንጥረነገራት ኣለኩም፣ ድሕሪኡ ኣብ ጥቓ’ቲ ወይ ኣብ ትሕቲ’ቲ ዝርዝር ንጥረነገራት፣ ‘ኣለዎ/ይህልዎ/contains’ ዝብል ካልእ መግለጺ ኣሎ። ከም ሓደ ሓፈሻዊ ዝርዝር ናይ ኩሎም ኣብ’ቶም መግብታት ዝህልዉ ኣለርጀንስ’ዩ።
Ingrid Roche

ኣለርጂ መግቢ ሃልዩና ከመይ ገይርና ድሕነት ብዘለዎ ወጺና ንምገብ፧

ዕዳጋ ሃለኽቲ ነገራት ሓደ ነገር’ዩ፣ ኣብ ቤት መግቢ ከይድካ ምምጋብ ግን ነቶም ቀይድታት ኣብ መግብታት ዘለዎም ሰባት ካልኦት ስግኣታት’ዩ ዝፈጥረሎም።

ኣለርጂ መግቢ እንተለኩም፣ ነቶም ዘአንግድኹም ኣሳሰይቲ ቤት መግቢ ክትነግርዎም ኣገዳሲ’ዩ፣ ኢንግሪድ ሮች ጠቓሚ ዝኾነ ምኽሪ ኣለዋ።

“ትካል Allergy & Anaphylaxis Australia ናይ ከሻኖ ካርድ ኣለዎ፣ ንእሽቶ ኣብ ጁባ ትኣቱ ካርድ ኮይና ዝርዝራት ናይ’ቶም ኣለርጂ ዘምጽኡ መግብታት ዘለዋ’ያ። ናብ ሓደ ቤት መግቢ ወይ ቡን ወይ ድሉው ሒዝኩሞ ትኸዱ (ቴክኣዋይ) ዘለዎ ንግዲ ክትከዱ’ንከለኹም፣ ነታ ንእሽቶ ካርድ ተውጽእዋ’ሞ፣ ነቶም ዘአንግድኹም ሰባት ‘ኣነ ኣለርጂ ናይ መግቢ ኣለኒ - እዚኣ ካርድ ዶ ነቲ ከሻናይ ክትህቡለይ?’ ክትብልዎም ትኽእሉ። ነቶም ትሕዝቶ ንጥረነገራት ንክርእይልኩምን ነቲ መግቢ ምስ ዝኾነ ካልእ መግቢ ከይሓዋወሱ ወይ ከይተናኸፉ ክሰርሕልኩም ዝወሃብ መዘኻኸሪ’ዩ።’”
ኣብ ቤት ትምህርታት ኣውስትራልያ ኣለርጂታት ብኸመይ ይተሓዙ፧

How allergies are managed in Australian schools

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣለርጂ ገለ ቀለልቲ ምኽርታት ይልግስ፥
  • ሰራሕተኛታት ንምዝርራብ ክትክእሉ ኣብ’ቶም ዕዳጋታት ዝሕል ዝበሉሉ እዋና ክትከዱ 
  • ትኸድሉ ቤት መግቢ ብጥንቃቐ ምረጹ፣ ቀለልቲ መግብታት ኣዝዩ ውሑድ ንጥረነገራት ዘለውዎም ምረጹ፣ 
  • ክተናኸፉ ወይ ካብ ሓደ ናብ ሓደ ክመሓላለፉ ስለዝኽእሉ ድማ ናይ ቡፌ ዓይነት ኣመጋግባ ኣወግዱ
  • ኩሉ ግዜ ናይ ኣለርጂ መድሃኒታትኩም ምሳኹም ተማልእዎም። 
Young People Eating Together
Halal dining can be more challenging than shopping for halal products, and businesses are sometimes reluctant to display the Halal logo on their premises. Credit: FreshSplash/Getty Images

ኮሸር ኣመጋግባ ትኽተሉ ዲኹም፧

ሾሽ ላንዳው ኣብ ኮሸር ኣውስትራልያ ሓላፊት መሸጣን ሎጂስቲክስን፣ ኣብ'ዛ ሃገር ክልተ ቀንዲ ትካላት ምስክር ወረቐት ኮሸር ዝህቡ ምህላዎም ትገልጽ.

ስለ’ዚ ንግዳዊ ምልልክት ወይ ሎጎ ዘለዎ ምዃኑ ኣረጋግጹ ኢኹም። ኣብ ውሽጢ ክቢ ዝኣተወ፣ ኣብ ማእከሉ ‘K’ ፊደል ዘለዎ ካርታ ኣውስትራልያ’ዩ.

ውሑድ ሚእታዊ ምህርታት ጥራይ'ዮም ብልክዕ እቲ ሎጎ ዘለዎም። ስለ’ዚ ገለ ፍርያት መግቢ ምስክር ኮሸር ኣለዎም እንተኾይኑ ንሰባት ነፍልጠሉ ኣገባብ ብመንገዲ ኩሉ ግዜ ነሐድሶ ኣፕ’ዩ፣ ኣብ’ዚ እዋን ኮሸር ምዃኖም ዝተመስከረሎም ኩሎም ፍርያት ንሰባት ነፍልጦም።

እቲ ኮሸር ኣውስትራልያ ኣፕ ኣብ ቀረባ ግዜ ስካን ዝግበር ባርኮድ’ውን ኣተኣታትዩ። እዚ ንተጠቀምቲ ኣብ ክንዲ ንዕኦም ጥራይ ኣብ ዝሸጡ ንግድታት፣ ኣብ ኩሎም ዓበይቲ ዕዳጋታት (ሱፐር ማርኬታት) ክሽምቱ ኣዝዩ ዝቐለለ ይገብረሎም።

“ኣብ ሱፐር ማርኬታት ከይድኩም ነቲ ባርኮድ ስካን ትገብርዎ፣ እቲ ፍርያት ኣብ’ቲ መኽዘን ኣስማት ፍርያትና ኣሎ ድዩ የለን የፍልጠኩም። ብባርኮድ ስካን ገይርኩሞ እንተዘይተራእዩ፣ ሕጂ’ውን ክትደልዩ ወይ ክትፍትሹ ትኽእሉን፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣፕ ኣሎ እንተኾይኑ ትርእዩን። ምናልባት እቲ ባርኮድ ዘይተሓደሰ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኣብ መላእ ዓለም’ዩ ዝሰርሕ። ብቐጥታ ንሕቶታት ንምልሰሉ ጉጅለ ፈይስቡክ’ውን ኣለና።”

ሓላል ኣመጋግባ ትኽተሉ ዲኹም፧

ከባቢ 3% ኣውስትራልያውያን ሓላል ዝኾነ መግቢ ይጥቀሙ፣ እዚ ጽላት ብተወሳኽ ብቅልጡፍ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ።

ዶክተር መሓመድ ኻን ዋና ኣካያዲ ሓላል ኣውስትራልያ’ዩ፣ ብክፍሊ ሕርሻ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ምስክር ሓላል ዝህብ ኣካል።

ንሱ ተጠቀምቲ ኣብ ክፍሊ ሃለኽቲ ነገራት መረጋገጺ ኣስማት ካብ ሓላል ምዃኑ ዘረጋግጹ እሙናት ሰብመዚታት ክደልዩ ወይ ክከታተሉ ይመክር።

“ንግዳዊ ምልክት ወይ ሎጎ እንተለዎ፣ ገለ መጠን መረጋገጺ ኣለዎ ማለት’ዩ፣ እወ፣ እቲ ፍርያት ሓላል ድዩ ኣይኮነን ዝብል። ግን ኣብ ኣውስትራልያ ምስ ጎስጓስ ኣንጻር-ሓላል ዝተኣሳሰር ዕቃበታት ኣሎ።"
ገለ ኩባንያታት ብልክዕ ነቲ ሓላል ሎጎ ከይገብራሉ መሪጸን። ንተጠቀምቲ ወይ ሸመትቲ ነገራት ኣዝዮም ኣሸገርቲ ይገብሮም።
Dr Muhammad Khan
መርበብ ሓበሬታ ናይ ሓላል ኣውስትራልያ (Halal Australia) ገለ ምኽርታት ኣቐሚጥና ኣለና። ኣየኖት ንጥረነገራት’ዮም ከወግዶም ዘለኒ፣ ወይ ሓላል ዕዳጋ ዝገብረሉ ኣበይ'ዩ ዝብሉ።

Halal apps such as Halal Advisor provide valuable help to consumers, although they’re not officially endorsed by Halal Australia.

Is it easy dining out kosher?

Unfortunately ,we can’t just go into any restaurant and order a kosher meal. The entire restaurant must be kosher certified, and the Kosher Australia app includes a comprehensive list.
Allergenic foods in bowls
Allergenic foods in bowls, still life. Credit: SCIENCE PHOTO LIBRARY/Getty Images/Science Photo Libra

Is it easy dining out halal?

Halal dining can be more challenging than shopping for halal products, and businesses are sometimes reluctant to display the Halal logo on their premises.

“The apps are there and I commend those groups that try to help the consumers… for example, Halal Food Sydney, Halal Food in Melbourne,” Dr Khan says. “They developed some kind of information space. There are thousands of consumers who want clarity and we can see for ourselves inconsistencies in what is certified.”

Ultimately, it’s safest to do your own research.

Useful resources
Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service