ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ

Australia Explained: Sunscreen

Sunscreen is a vital part of our sun protection toolbox. Credit: LOUISE BEAUMONT/Getty Images

ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ጸሓይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ። ምጥቃም መከላኸሊ ጸሓይ ድማ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መዐቀኒ ካብ ጐዳኢ ምቅላዕን ሃስያን ጸሓይ እዩ ። ንሰለስተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ብዛዕባ መርትዖታት መከላኸሊ ጸሓይ (ሳንስክሪን) ፡ ብዛዕባኡ ዝበሃል ጽውጽዋያት ከምኡ እውን ቅኑዕ ፍርያት ብዛዕባ ምምራጽ ሓቲትናዮም ኣለና።


ኣውስትራሊያ ዝለዓለ ናይ ቆርበት ካንሰር ስለዘለዋ ናይ ዓለም 'ዋና ኸተማ ናይ ቆርበት ካንሰር ' ዝብል ስም ሒዛ ኣላ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ዳርጋ ኩሎም ናይ ቆርበት መንሽሮታት ካብ መጠን ንላዕሊ ናብ ዩቪ (ወይ ናይ ኣልትራቫዮለት) ጨረርታ ብምቅላዕ ይፍጠሩ ፡ እዚ ክፋል ናይ ጸሓይ ብርሃን ን ምቅጻል ቆርበትን ዘዕኑን እዩ ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ሕማም ቆርብርት ካንሰርን መላኖማ ክሳብ ክንደይ ዝውቱር'ዩ፧

ሊንዳ ማርቲን ፡ "ካብቶም ሰለስተ ኣውስትራልያውያን ፡ እቶም ክልተ ኣብ ዘመን ህይወቶም መንሽሮ ቈርበት ዘማዕብሉ እዮም ።" ትብል። ንሳ ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ሲድኒ ፡ ኣማኻሪ ቦርድ ትካል ሜላኖማ ኣውስትራልያን ሓላፊት ደርማቶሎጂ ኣብ (UNSW) እያ ።

ኣብ ዘመን ህይወት ፡ እቲ ሓደ ካብ 15 ሓፈሻዊ ኣወዳትን ንኣዋልድትን ንሓደጋ መላኖማ ዝቃላዕ እዩ ።

"እዚ ማለት ኣብዚ ዓመት እዚ መዋእለ ህጻናት ኣብ ዝጅምሩ ቈልዑ: ምስ ዓበዩ ክልተ ሲሶ ናይ ቈርበት መንሽሮ የጋጥሞም: ኣብ ሓደ ክፍሊ ድማ ሓደ ወይ ክልተ ዓይነት መንሽሮ ማላኖማ ይህልዎም ማለት እዩ ።"

Australia Explained: Sunscreen
Melanoma is the most serious type of skin cancer. Credit: LordHenriVoton/Getty Images

እቲ ዘሐጕስ ግና ፡ ብነዘውትሮ ባህርያትና ኣቢልና ፡ ንጸሓይ ንምክልኻል ዘሎና ደረጃ ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና ።

ኣብ ግዳም እነሕልፎ ግዜ ብምግዳብ እዩ ዝጅምር ፡ ኣብቲ ናብ ደገ ክንወጽእ እንመርጾ ናይ UV መጠንድማ ይጅመር ይብል ዶ/ር ማርቲን ።

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ 80ታት ዝዓበዩ ብዙሓት ሰባት ፡ ነቲ ሎሚ ብሓሙሽተ ስጕምትታት ተረጋጊጹ ዘሎ ንድሕነት ጸሓይ ዝምልከት '‘Slip, Slop, Slap’ ዝብል ጭርሖ ይፈልጥዎ እዮም ።

  • Slip= ን ጸሓይ ዝከላኸል ክዳን ተኸደን
  • Slop= ኣብ SPF 30 ወይ ልዕሊኡን ፡ ሰፊሕ ትርኢት ፡ ማይ ዝጻወር መከላኸሊ ጸሓይ ኣዘውትር
  • Slap= ሰፊሕ ባርኔጣ ንርእስኻ ልበስ
  • Seek shade= ጽላሎት ድለ
  • Slide on sunglasses = ናይ ዓይኒ መነጸር ግበር
Slip slop slap.png
Credit: healthdirect.gov.au

መከላኸሊ ጸሓይ -ሳንስክሪን ሓደ ክፋል ናውቲ መከላኸሊ ጸሓይ ጥራይ እዩ ።

እንተዀነ ግን: ከምቲ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣውስትራልያ ንነዊኅ እዋን መንሽሮ ቈርበት ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ከምዝዀነ ዝመስከርዎ: ነዚ ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ ።

ዶ/ር ማርቲን ፡ ነቲ 'ናምቡር ትራያል' ብዝበሃል ዝተገብረ መርመራ ፡ መዓልታዊ መከላኸሊ ጸሓይ ምጥቃም፡ ነቲ ናይ ቈርበት መንሽሮ ከም ዝንክዮ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ ።

"ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ክትትል ፡ ኣብቶም መዓልታዊ ሳንስክሪን ዝገብሩ ሰባት መጠን ሜላኖማ ፍርቂ ኮይኑ ተረኺቡ ።

ዶክተር ማርቲን ፡ "መከላኸሊ ጸሓይ ዝዓዪ እዩ፡ ሜላኖማ ከም ዝከላኸል ፡ ዋላ እውን መዓልታዊ መከላኸሊ ጸሓይ ንኽትጥቀመሉ ኣብ 50 ዓመትካ እንተ ጀመርካዮ ፡ ኣይደንጎኻን" በለ ።

Australia Explained: Sunscreen
Use sunscreen on all parts of your body that you can't protect with other sun safety measures. Credit: Darren Robb/Getty Images

ሕድሕድ መከላኸሊ ጸሓይ ኣብቲ መጠቕለሊ ቑጽሪ ናይ ጸሓይ መከላኸሊ ረቛሒ (SPF) ኣለዎ ።

እቲ ቁጽሪ SPF ዝለዓለ እንተኾይኑ ፣ መከላኸሊ ጸሓይ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሕ ማለትዩ ዘመልክት።

ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ጸሓይ መከላኸሊ ተቆጻጻሪ ፡(Therapeutic Goods Administration (TGA),፡ ካብ SPF 30 ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ጸሓይ መከላኸሊ 'ውጽኢታዊ መከላኸሊ' ምዃኑ ይምስክር ።

ካብ 1 ነሓሰ 2024 ጀሚሩ ፡ ጕሉሕ ዝዀነ ቤት ምኽሪ ካንሰር ፡ ን SPF 50 + ኣብ ዕዳጋ ዝለዓለ ቦታ ከም ዘለዎ ገይሩ እዩ ዘቕርቦ ።

መከላኸሊ ጸሓይ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን: በቲ ቅኑዕ መገዲ ክትጥቀመሉ ከም ዘሎካ ኣብ UNSW ሳይንቲያ ተሓባባሪት ፕሮፌሰር ስነ-ቀመም ኣና ዋንግ ትገልጽ ።

ዋላ ብማይ ዝጻወር መከላኸሊ ጸሓይ ምጥቃም ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓት ፡ ከምኡ እውን ድሕሪ ምሕንባስ ፡ ብጨርቂ ወይ ብሽጎማኖ ሓቢስካ ደጊምካ ምጥቃም የድሊ ።

5 ሚሊ- (ብገምጋም ሓደ ማስካ) ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ኣካላትካ ናብ ጸሓይ ተቓሊዑ ዘሎ ልኸ ።

ኣብ ጸሓይ ኣብ እንወጸሉ እዋን ክልተ ዓይነት ናይ ዩቪ ጩራ ክንረክብ ንኽእል ኢና ፥ UVA ን UVB. ን ።

ክልቲኦም ምስ ናይ ቆርበት መንሽሮ ዝተተሓሓዙ እዮም ፡ ስለዚ ናይ ጸሓይ መከላኸሊኻ ብሰፊሕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (broad-spectrum)ከምዝህብ ኣረጋግጽ ፡ ትብል ዶ/ር ዋንግ ።

"መከላኸሊ ጸሓይ ወይ ሳንስክሪን ኣብ broad-spectrum እንተተዘርዚሮም እዚ ማለት ንኽልቲኦም ን UVA ን UVB ይከላኸል ማለት እዩ ።

"UVB ጠንቂ ምንዳድ ብጸሓይ ክኸውንከሎ UVA ንዲ ኤን ኤ ብምዕናው ጠንቂ መንሽሮ ይኸውን ።"

Australia Explained: Sunscreen
Water-resistant sunscreen is a must when swimming or exercising outdoors. Credit: MesquitaFMS/Getty Images

ብተወሳኺ እቲ ትጥቀመሉ መከላኸሊ ጸሓይ ብ TGA- መረጋገጺ ምልክት ኣብ ልዕሊኡ ክህልዎ ይግባእ ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣደላይድ ክኢላ ስነ-መድሃኒት ዝዀነ ኢያን ሙግራቭ ፡ "ኣብ ሱፐር ማርኬት ወይ ፋርማሲ ፡ መከላኸሊ ጸሓይ እንተ ኣልዒልካ ፡ AUST-L ን ነዊሕ ቁጽሪ ከም ዘለዎ ዝሕብር ነገር ክትርእይ ኢኻ" በለ ።

ዶ/ር ሙስግራቭ ኣብ ኣውስትራልያ እኹል ቪታሚን ዲ ንኸይትረክብ መከላኸሊ ጸሓይ ከይዓግተካ ስክፍታ የብሉን።

"ብዙሕ ዩቪ ስለ ዘለና ፡ ካብ ተራ ምቅላዕ ንጸሓይ ብርሃን ጥራይ እኹል ቪታሚን ዲ ከነመንጩ ንኽእል ኢና ።

TGA-approved sunscreens ንነዊኅ እዋን እተረጋገጸ ታሪኽ ዘለዎን ውሑስ ትሕዝቶን ኣለዎ ።

ኩሉ ናይ ጸሓይ መከላኸሊ ካብ ከሚካል እዩ ዝስራሕ ፣ ገለ ካብኡ ድማ ከም 'ማዕድን ጥራይ' ።

ናይ 'ማዕድን' ን 'ኬሚካል' ን ናይ ጸሓይ መከላኸሊታት ውሑስን ውጽኢታውን እዩ ፣ እቲ ፍልልይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጥራይ ስለ ዝሰርሕ እዩ።

ዶ/ር ሙስግራቭ ፡ "ብትኽክል ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ ፡ ክልቲኦም ተመሳሳሊ ዕዮ እዮም ዝዓይዩ" በለ ።

"ኣካላዊ / ማዕድን ጸሓይ ከም ዚንክ ኦክሳይድ ዝኣመሰለ ማዕድናት ኣለዎ ብመሰረቱ UV የንጸባርቕ ፣ ኬሚካላዊ ናይ ጸሓይ መከላኸሊ ድማ UV ዝስሕቦ ኦርጋኒካዊ ከሚካላት ኣለዎ ።"

Australia Explained: Sunscreen
Cosmetic products may have an SPF rating, but unlike TGA-approved sunscreens, they don’t offer adequate protection. Credit: Lajst/Getty Images

ናይ ጸሓይ መከላኸሊ ቴክኖሎጂ ኣብ ገዛ ብዝቃመም ቅዳሕ ክትካእ ስለ ዘይከኣል ፡ ኣብ ንግዳዊ ፍርያት ክትምርኮስ ይግባእ።

ዶክተር ዋንግ "ሰባት ነቲ ልዑል ቴክኖሎጂ ዘለዎ መከላኸሊ ጸሓይ ኣትሒቶም እዮም ዝርእይዎ" ትብል ።

"ነዚ መመከላኸሊ ጸሓይ-ሳንስክሪን ጽቡቕ ከም ዝስምዓናን ከም ዝከላኸለልናን ኮይኑ ንኽስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ወሲዱ እዩ ።"

ኣብ መጠረሽታ ፡ ክቡር መከላኸሊ ጸሓይ ካብ ዝሓሰረ ይበልጽ ማለት ኣይኮነን ።

ወትሩ ክትጥቀመሉ ትኽእል መከላኸሊ ጸሓይ ክትመርጽ ዝበለጸ እዩ ፣ ብተደጋጋሚን ብትኽክልን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ ፣ ብምባል ዶክተር ዋንግ ምኽራ ለጊሳ ።

እዛ ዓንቀጽ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ሒዙ ዘሎ ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኵነታትካ ምኽሪ እንተ ደሊኻ ፡ ኣብ ሓደ ብቑዕ በዓልሞያ ሕክምና ከይድካ ተረአ ።

Subscribe to or follow the Australia Explained podcast for more valuable information and tips about settling into your new life in Australia.   

Do you have any questions or topic ideas? Send us an email to australiaexplained@sbs.com.au 


Share

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now