Abrham Tesfay Source: Abrham Tesfayነቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ስደተኛታት ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብዘይሕለል ጻዕሪ ደገፍ ዘበርክት ዘሎ እዩ፡ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ። ንሱ ካብ ሳዋ ኣትሒዙ ሱዳን ሰጊሩ ሊቢያ ብባሓሪ ሓሊፉ ዓዲ ጥልያን ክኣቱ ዝረኸቦ መከራ እናዘከረዩ ኣብ መከራ ንዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋቱ ብዘለዎ ዓቕሚ ምስብጾቱ ሓገዝ ዝገብረሎም ዘሎ። ገለ ካብቲ ፍረ ጻዕሮም ዝኾነ ዓወታት፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ዝነበረ ናብ 5 ዓመታት ከምዝናዋሕ ኣግቢሮም። ስደተኛታት መንቀሳቐሲ ወረቐት ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከይዶም ከዐርዩ ዝግደዱ ዝነበሩ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ጥልያን ከምዝተርፍ ኣግቢሮም። ምስ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ዝገበርናዮ ዕላል ካብ ኤርትራ ብኸመይ ኩነታት ከምዝሓለፈ ኣትሒዙ ኣብዚ እዋን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ እናተማህረ ንስደተኛታት ዝገብሮ ደገፍን ኣዕሊሉና ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል እዩ።
ነቶም ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ዝኣትዉ ስደተኛታት ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብዘይሕለል ጻዕሪ ደገፍ ዘበርክት ዘሎ እዩ፡ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ። ንሱ ካብ ሳዋ ኣትሒዙ ሱዳን ሰጊሩ ሊቢያ ብባሓሪ ሓሊፉ ዓዲ ጥልያን ክኣቱ ዝረኸቦ መከራ እናዘከረዩ ኣብ መከራ ንዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋቱ ብዘለዎ ዓቕሚ ምስብጾቱ ሓገዝ ዝገብረሎም ዘሎ። ገለ ካብቲ ፍረ ጻዕሮም ዝኾነ ዓወታት፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንሓደ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ዝወሃብ ዝነበረ ናብ 5 ዓመታት ከምዝናዋሕ ኣግቢሮም። ስደተኛታት መንቀሳቐሲ ወረቐት ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ከይዶም ከዐርዩ ዝግደዱ ዝነበሩ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ጥልያን ከምዝተርፍ ኣግቢሮም። ምስ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ዝገበርናዮ ዕላል ካብ ኤርትራ ብኸመይ ኩነታት ከምዝሓለፈ ኣትሒዙ ኣብዚ እዋን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ እናተማህረ ንስደተኛታት ዝገብሮ ደገፍን ኣዕሊሉና ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል እዩ።