ኣብዚ እዋን ሊብያ ብኲናት ሓድሕድ ትናወጸሉ ዘላ እዋን፡ ብብዙሕ ሽሕ ዝቑጸሩ ኤርትራዊያንን ናይ ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት ኣብ መንቀራቕሮ ኣትዮም ናይ ርድኡና ኣውያት የስምዑ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን አብ ዝተፈላለዩ መደበር ስደተኛታት ክንደይ ኤርትራዊያን ኣለዉ? ንምርዳኦም እንታይ ይግበር ኣሎ? ናብ ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምዝዋር ዕድሎም እንታይ ይመስል? እዘን ኣብዝሓለፈ 2 ኣዋርሕ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ኣውሮጳ ዝተበገሳ እሞ ዝጠፍኣ 4 መራኽብ ናበይ ኣበላ? ዝብሉን ካልእ ሕቶታትን ተጣባቒ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ዓዲ ጥልያን፡ ኣብርሃም ተስፋይ መሊሱልና ኣሎ። ነዚ ንሱ ዝህበና ሓቅታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናይ SBS ትንታነ ክወሃበሉ እዩ።
Share






