“ዝጸንሐ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ሕልሚ ክልቲኡ ተዛራቢ ትግርኛ ዝግሃደሉ ግዜ ክመጽእ’ከሎ ክትሕጎስ ጥራይ እዩ ዘለካ” አማኒኤል ሳህለ

ኣብዚ ቕነ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝቐነየ፡ ኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ፡ ብዛዕባ ሕቶ ጉዳይ ትግራይ ትግርኚ ኮይኑ፡ ብፍላይ፡ “ንኽልቲኡ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ እንተዘይሓቢሮም ንሕና ብኣዕራብ በዚ ድማ ኣብ ሽዋ ብዝትከል መንግስቲ ክንውረር ዝለንኽእል፡ ክንሓብር እዩ ዘዋጽኣና” ዝብል ዘረባኡ አዚዩ አካታዒ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ን ኣማኒኤል ሳህለን ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ኣብ ዘተ ኣቕሪብናዮም ኣለና። ንምንታይ ኣብዚ እዋን ብወገን ተጋሩ ሕውነት ምስ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ምስ ተዛረብቲ ትግርኛ ብጽዑቕ ይጉስጎሰሉ ኣሎ? ብወገን ኤርትራዊያንከ እዚ ስምዒት ኣሎ ድዩ? ኣማኒኤል ሳህለ፡ ትግራይ ትግርኚ ከምትድግፍ ገሊጽካ፡ ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ድዩ? እተን ካልኦት ብሄራት ኤርትራኸ ናበይ ይኺዳ? ካልእ ሕቶታትን ተመሊሱ ኣሎ።
Share




