“ዓብደልቃድር ከቢረ እንተዘይቅተል ነይሩ፡ ታሪኽ ኤርትራ ካልእ መልክዕ ምሓዘ ነይሩ።” ከሊል ዓሊ ከሊል
Kebire and participants (Beyene Semere) Source: Kebire and participants (Beyene Semere)
ብቐዳም27 መጋቢት 2017 መበል 68 መስዋእቲ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ንምዝካር ገለ ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ጀበርቲን ናይ ቪክቶሪያ ሰብመዚን ዕዱማትን ኣብ ተረኽብሉ ኣብ መልበርን ናይ ዝኽሪ ሚሸት ተገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ዝኽሪ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣልናህዳ ዝኾነ ኣቶ ሑሴን ዓብደልዋስዕ መእተዊ መደረ ብዓረብን ትግሪኛን ኣቕሪቡ፡ ካልኦት ስነጥበበኛታት ደቂ ኣንስቶዮን ዕዱማትን ንሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ዝውድስን ዝዝክርን ቃል ኣስሚዖም ነይሮም። ኣብቲ ሚሸት ንታሪኽን ኣበርክቶን ዓብደልቃድር ከቢረ ኣብ ቃልሲ ኤርትራዊ ታሪኽ ብሰፊሑ ብቋንቋ እንግሊዝ ዘቕረበ፡ ኣቶ ከሊል ዓሊ ከሊል እዩ። ንሕና'ውን ኣብ መንጎ እቲ ናይ ዝኽሪ ምሸት ምስቲ ዝተገብረ በዓል ዝተሓሓዝ መብርሂ ክህበና ሓቲትናዮ ነይርና እንሆ።
Share




