ዕላል፡ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ብምዛር ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኡ እናሓለወ ህይወት ምስ ዘስተማቕር ዘሎ ክብሮም ከበዶም።
Credit: Beyene Weldegiorgis
አቶ ክብሮም ከበዶም ኣብ 1989 ኣብ ዝተፈላለዩ በረኻታትን ጫካታትን ኣውስትራሊያ ጉዕዞ ብእግሪ ንምግባር'ዩ ካብ ስዊድን ናብ መልበርን ምስ መጸ ኣብዚ ተሪፉ። ንልዕሊ 30 ዓመታት ካብ በረኻታት ኣውስትራሊያ ክሳብ ጎቦ ኢቨረስት ናይ ነፓል፡ ካብ ጫካታት ኒውዚላንድ ክሳብ በረኻታት ኣፍሪቃ ኣብ ምዛር የሕልፎ ኣሎ። እቲ ዝገብሮ ንጥፈት ኣብ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕጉስ ህይወት እንታይ ፍረ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባትከ ኣሰሩ ክስዕቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣዕሊሉና ኣሎ።
Share