ዕላል ምስ ጸሓፊ "እቲ ትግራዋይ አለክትሪሺያን፡ ዝኽሩን ዘፍቅራ ዓዱን" ዶ/ር ኢሳያስይ ይርጋው
Credit: Supplied
ብሰንበት 28 መጋቢት 1976 ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓደ ናይ ደርጊ ኮሎኔል ብፈዳይን ተቐቲሉ። ብድሕር’ዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕነ ንምፍዳይ፡ ብጃምላ ንብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም። እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣባይቲ ኣስመራ ሰይሮም ብምእታዉ፡ ኣብ ቅድሚ ዘፍቅሮም ስድራቤቱ ብጥይት ካብ ዝቐተልዎ ግዳያት ሓደ ኤለክትሪሻን መንእሰይ ነይሩ። ብድሕር’ዚ እታ ስድራቤት ኣብ ሓዘንን ነቲ ዝተጸጥሐ ሬሳ ሒዛ ተሪፋ። ነቲ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ከቢድ ኲናት ብምትሕሓዝ ንሓቀኛ ታሪኽ ኣቦይ ይርጋዉ ባህታ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ይርጋዉ ባህታ “the TIGRAYan electrician, Memories of my father and his beloved motherland” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ቅትለት ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ ክኢላታት መጥባሕቲ ኮይኑ ናይቲ እዋን ዝኽሩን ዝፍጸም ግፍዕታት ብዛዕባ ዝጸሓፎ ምሳና ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።
Share



