ዕላል ምስ ጸሓፊ "እቲ ትግራዋይ አለክትሪሺያን፡ ዝኽሩን ዘፍቅራ ዓዱን" ዶ/ር ኢሳያስይ ይርጋው

Dr. Isaias Yorgaw

Credit: Supplied

ብሰንበት 28 መጋቢት 1976 ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓደ ናይ ደርጊ ኮሎኔል ብፈዳይን ተቐቲሉ። ብድሕር’ዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕነ ንምፍዳይ፡ ብጃምላ ንብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ቀቲሎም። እቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣባይቲ ኣስመራ ሰይሮም ብምእታዉ፡ ኣብ ቅድሚ ዘፍቅሮም ስድራቤቱ ብጥይት ካብ ዝቐተልዎ ግዳያት ሓደ ኤለክትሪሻን መንእሰይ ነይሩ። ብድሕር’ዚ እታ ስድራቤት ኣብ ሓዘንን ነቲ ዝተጸጥሐ ሬሳ ሒዛ ተሪፋ። ነቲ ፍጻመ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ከቢድ ኲናት ብምትሕሓዝ ንሓቀኛ ታሪኽ ኣቦይ ይርጋዉ ባህታ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ይርጋዉ ባህታ “the TIGRAYan electrician, Memories of my father and his beloved motherland” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ቅትለት ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ወዶም ዶ/ር ኢሰይያስ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ ክኢላታት መጥባሕቲ ኮይኑ ናይቲ እዋን ዝኽሩን ዝፍጸም ግፍዕታት ብዛዕባ ዝጸሓፎ ምሳና ጻንሒት ገይሩ ኣሎ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service