ኣብ ሶማሊያ ብምዃን ናይ ህዝባዊ ግምባር ስለያ ኮይኑ ዝሰርሐን ተመኩሮኡ "ሳሕል ወሪድና አንታይ ኣፍሪና" ብዝብል ክልተ መጽሓፍቲ ዝጸሓፈን ተሞኩሮኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ዘቕረበ ፡ ኣቶ የማነ ተኽለገርግሽ ምስ ሬድዮ ኤስ ቢኤስ ትግርኛ ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ከባቢኣን ትንታነ ሂቡ ኣሎ። ኣብዚ ትሕዝቶ፡ ሶማሊያ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትጽምበር ትኽእል ዲያ? ህዝቢ ሶማል ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ብኸመይ እዩ ዝርእዮም? ፎርማጆን ምድማርን ብፓርላማኡ ዝወረዶ ምንጻግን፥ ህዝቢን መንግስቲ ኤርትራን ኣብዚ እዋን ካልእን ሓሳባት ተላዒሎም ኣለዉ።
Share






