SBS Examines: ደሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ ዝርከብ፧

Democracy.jpg

Credit: SBS Examines

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።


ምጥፋእ እምነት፣ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሰብ ሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ)፣ ስለላን ማሕበራዊ ምክፍፋልን ንዲሞክራሲ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕዎ ዘለዉ'ዮም፣ ብመሰረት ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ መንግስቲ።

ቢል ብራውን ዳይረክተር መደብ ዲሞክራሲን ተሓታትነትን ናይ ትካል መጽናዕቲ ኣውስትራልያ ወይ ኣውስትራልያ ኢንስቲትዩት ከም`ዚ ይብል፣ "ኣብ ከባቢ ዓለም ዲሞክራሲ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት መሰናኽላት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብርግጽ ዝተራእየ'ዩ። መዐቀኒታት ዓይነትን ዝርጋሐን ዲሞክራሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ 10 ወይ ገለ ዓመታት ነዚ ዘረጋግጹ ይመስሉ፡ ነገራት ንድሕሪት ተመሊሶም'ዮም።"

እንተኾነ ግን ኣውስትራልያ ካብ ገለ ካብ'ቶም ዝኸፍኡ ለውጥታት ሽፋን ረኺባ ጸኒሓ'ያ ክብል ይውስኽ።

ንሱ ከም ኣብነት ናብ`ቶም ረብሓታት ዲሞክራሲ ዝበሎም ከም በዓል ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ታሕተዋይን ላዕለዋይን ባይቶታት፡ ግዴታዊ መስርሕ ኣደማምጻን ህላወ ነጻ ዝኾነ ኮሚሽን ምርጫን የመልክት።

ብቕዓትን ጽሬትን ዲሞክራሲ ኣብ መላእ ዓለም ከመሓይሽ ዝኽእል ካብ ኣውስትራልያዊ ስርዓትን ኣውስትራልያዊ ኣገባብ ኣፈጻጽማ ነገራትን ክቕሰሙ ዝኽእሉ ኣስተምህሮታት ኣለዉ ኢለ ይሓስብ፣" ክብል ን SBS Examines ሓቢሩ።

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ዲሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ ይመስል፧ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ'ኸ ዝርከብ፧ ክብል ይሓትት።

Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service