Watch FIFA World Cup 2026™

LIVE, FREE and EXCLUSIVE starting June 12 2026

SBS Examines: ደሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ ዝርከብ፧

Democracy.jpg

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።


Published

By Olivia Di Iorio

Presented by Olivia Di Iorio, SBS Tigrinya

Source: SBS




Share this with family and friends


ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትራሊያ ክለይር ኦ'ኒይል ንዲሞክራሲ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ሃገራዊ ጥሪትና ኢላ ሰይማቶ። ገለ ሰባት ግን ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ ይብሉ።


ምጥፋእ እምነት፣ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሰብ ሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ)፣ ስለላን ማሕበራዊ ምክፍፋልን ንዲሞክራሲ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕዎ ዘለዉ'ዮም፣ ብመሰረት ሓደ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻብ መንግስቲ።

ቢል ብራውን ዳይረክተር መደብ ዲሞክራሲን ተሓታትነትን ናይ ትካል መጽናዕቲ ኣውስትራልያ ወይ ኣውስትራልያ ኢንስቲትዩት ከም`ዚ ይብል፣ "ኣብ ከባቢ ዓለም ዲሞክራሲ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት መሰናኽላት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብርግጽ ዝተራእየ'ዩ። መዐቀኒታት ዓይነትን ዝርጋሐን ዲሞክራሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ 10 ወይ ገለ ዓመታት ነዚ ዘረጋግጹ ይመስሉ፡ ነገራት ንድሕሪት ተመሊሶም'ዮም።"

እንተኾነ ግን ኣውስትራልያ ካብ ገለ ካብ'ቶም ዝኸፍኡ ለውጥታት ሽፋን ረኺባ ጸኒሓ'ያ ክብል ይውስኽ።

ንሱ ከም ኣብነት ናብ`ቶም ረብሓታት ዲሞክራሲ ዝበሎም ከም በዓል ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ታሕተዋይን ላዕለዋይን ባይቶታት፡ ግዴታዊ መስርሕ ኣደማምጻን ህላወ ነጻ ዝኾነ ኮሚሽን ምርጫን የመልክት።

ብቕዓትን ጽሬትን ዲሞክራሲ ኣብ መላእ ዓለም ከመሓይሽ ዝኽእል ካብ ኣውስትራልያዊ ስርዓትን ኣውስትራልያዊ ኣገባብ ኣፈጻጽማ ነገራትን ክቕሰሙ ዝኽእሉ ኣስተምህሮታት ኣለዉ ኢለ ይሓስብ፣" ክብል ን SBS Examines ሓቢሩ።

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ዲሞክራሲ ኣብ ኣውስትራልያ እንታይ ይመስል፧ ኣብ ምንቁልቋል ድዩ'ኸ ዝርከብ፧ ክብል ይሓትት።


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now