Source: YouTubeፍሉጥ ወዲ ኦሮሞ ተጣባቒ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ብመንግስቲ ዝግበረሉ ዝነበረ ሓለዋ ክእለ ድሕሪ ዝተገብረ ጻዊዒት እቶም ሓለውቲ ግና ትእዛዝ መንግስቲ ነጺጎም ምሕላዎም ቐጺሎም፡ ንሱ “ህይወተይ ይደልይዋ ኣለዉ” ዘስምዕ መልእኽቲ ንሚሊዮናት ሰዓብቱ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ መንእሰያት ኦሮሞ (ቄሮ) አብ ከባቢ ዝነብረሉን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኦሮሚያን ኣድማ ክገብሩ ዊዒሎም። ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዉ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ተዓጽዮም ከምዝወዓሉን ናይ 6 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈን ዝገልጽ ካብቲ ከባቢ ጸብጻብ እንሆ።
ፍሉጥ ወዲ ኦሮሞ ተጣባቒ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ብመንግስቲ ዝግበረሉ ዝነበረ ሓለዋ ክእለ ድሕሪ ዝተገብረ ጻዊዒት እቶም ሓለውቲ ግና ትእዛዝ መንግስቲ ነጺጎም ምሕላዎም ቐጺሎም፡ ንሱ “ህይወተይ ይደልይዋ ኣለዉ” ዘስምዕ መልእኽቲ ንሚሊዮናት ሰዓብቱ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ መንእሰያት ኦሮሞ (ቄሮ) አብ ከባቢ ዝነብረሉን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኦሮሚያን ኣድማ ክገብሩ ዊዒሎም። ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዉ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ተዓጽዮም ከምዝወዓሉን ናይ 6 ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈን ዝገልጽ ካብቲ ከባቢ ጸብጻብ እንሆ።