ተሓዳሲ ጸዓት ኣብ ኬንያ።

NAKURU, KENYA - 2022/09/29: Solar panels are seen on the roof of a shopping mall in Nakuru Town. (Photo by James Wakibia/SOPA Images/LightRocket via Getty Images) Source: LightRocket / SOPA Images/SOPA Images/LightRocket via Gett
ኬንያ ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ጸዓታ ካብ ተሓደስቲ ምንጭታት ከም ጂኦተርማል ፣ ሃይድሮ ፣ ንፋስን ጸሓያዊ ጸዓትን ትረክብ ። ጸሓያዊ ጸዓት ንኢንዱስትሪን ኣብ ገዛን ዝያዳ ሰሓቢ እናዀነ ምስ ከደ ፡ እታ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገር ፡ ከም ጸሓያዊ ጸዓት ዜመንጭዋ መሳሪሒታትን ኢንቨርተራትን ዝኣመሰለ ፍርያት ካብ ደገ ናይ ምምጻእ ስራሕ ደው ኣቢላቶ እያ ። ናይ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ዋዕላ ክሊማ ኣብዚ ሰሙን [5 መስከረም] ካብ ናይሮቢ ጀሚሩ ፡ ናይ ኬንያ ፕረሲደንት ዊልያም ሩቶ ፡ እታ ኣህጉር ኩሉ ሓይላ ብተሓዳሲ ጸጋታት ከተሐይል ከም እትኽእል ተዛሪቡ ።
Share