ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ለካቲት 2024)

ንሎሚ ሓሙስ 01 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ቃለ መሕትት። ጸብጻብ ልኡኻናን “ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንእሽቶ ንግዲ ወይ ቢዝነስ ብኸመይ ይጅመር?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ትሕዝቶታትን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተራት ምክልኻልን ወጻእን ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ሎሚ ኣብ መልበርን ንመጀመርታ ግዜ ብሓባር ክእከቡ እዮም ። ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ካብ ኢምባሲ እስራኤል ወጻኢ ዝርከብ "ሓደገኛ ነገር" ኢሎም ዝሰመይዎ ከምዘዕነዉዎ ገሊጾም ። ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ጉዳያት እስልምና ፌደራል ተቋሪፁ ዝነበረ ርክብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
Share