ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሕዳር 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 2 ሕዳር 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ብዝገበሮ ሰፊሕ ኣበርክቶ ፐን ኤርትራ ናይ 2023 ተሸላሚ ክኸውን መሪጽዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓት ኣዕሊሉና ኣሎ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና።። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ክልትኣዊ ጉዳዮም ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ። ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ቻይና ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ። ትካል ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ክጅምር ተንቀሳቒሱ። ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ጣልያናዊት ክልል ላዝዮን ናይ ምትሕግጋዝ ክልተኣዊ ስምምዕነት ተፈሪሙ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ምምልካት ንናይ ዉልቂ ልቓሕ ።ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ዝሓዙ ብውሕዱ 320 ሰባት ፡ ካብ ጋዛ ብመንገዲ ዶብ ራፋ ኣቢሎም ክወጹ ተፈቒዱሎም ። ** ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዘራሪቡ። ** SBS ንዋንጫ ዓለም 2026 ብቐጥታ ከም ዘመሓላልፎ ዋንጫ ዓለም ፊፋ (FIFA) 2026™ ኣረጋጊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሕዳር 2023) | SBS Tigrinya