SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ነሓሰ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 3 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምስ ኣቶ ኣማኑኤል ይትባረኽ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዉ፧ ጉዳዮም ዝከታተሎ መን ኣሎ፧ ብዉድብ ይኹን ብውልቂ ክግበር ዝከኣል ሓገዝ እንተልዩን ብኸመይ ናብ ኣቶም ክበጽሕ ይኽእል፧ ጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ኤርትራን ካልእን ዝምልከት ሕቶታት መሊሱልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ህይወት ጉድኣት ከም ዘየውረደ ተገሊጹ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብሰንኪ ኲናት ትምህርቶም ከቋርጹ ዝተገደዱ ተምሃሮኡ ምቕባል ጀሚሩ። ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመያዪጦም። ኣብ ልዕሊ ትካላት ትእምት ተነቢሩ ዝነበረ እግድ ክላዓል ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ !! መዕርፎ ነፈርቲ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ፋኖ ወዲቑ። ኣብ ኤርትራን ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ረፈረንደም “ድምጺ ንፓርላማ”፡ እንታይ እዩ? ንምንታይ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ትገብር ኣላ? ኣብ'ዚ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ’ውን ብ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ *ብሃገር ደረጃ ዋጋታት ገዛውቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 2023 ክሳብ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ ፡ * ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት 11 ሰባት ዝቐተለ ሰብኣይ ፡ ብሞት ክቕጻዕ ተፈሪዱ ። ** ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 6 ነሓሰ ኣብ ስዊድን ፡ ዝግበር ፌስቲቫል ኤርትራ ክካየድ ፍቓድ ተዋሂብዎ ክብል ፖሊስ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now