SKIP TO MAIN CONTENT

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2023)

World - Tigrinya.jpg

ናይ ሰኑይ 4 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ እስራኤል ኣብቲ ብ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደበ ፈስቲቫል ኣብ መንጎ እቶም ነቲ መንግስቲ ዝድግፉን ኣንጻር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝተፈጥረ ግጭት ፡ ኣስታት 150 ሰባት ማህሰይቲ ወሪድዎም ፣ 30 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦም። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ኩነታት ካብ ዝተሳተፉ ሓንቲ ሸዊት ሃይለ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ካብ ተል ኣቪቭ ገሊጻትልና ኣላ። (ኣብቲ ኩነታት ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝድግፉ ረኺብና ከነዘራርብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን)። ብዛዕባቲ ኩነታት ምስ ሸዊት ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሽዱሽተ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሳ 33 ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ንምቁራፅ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ምርመራ ገበናት ኲናት ተቓዊመን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ “ኣስታት ሓደ ሽሕ ደገፍቲ እቲ ስርዓት” ዝበሎም ሰባት ክሰጉግ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ መሃንዲሳት፡ ካብ ግሉተን ናጻ ዝዀነ ፓስታ ከም ዘዳለዋ ተሓቢሩ። ኩርናዕ ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ብዝብል ዝፍለጥ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዳግም ተኸፊቱ ግልጋሎት ክህብ ጀሚሩ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ከምኡውን ዜማታት ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ነቶም ኣብዚቕነ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል ካብታ ሃገር ክጥረዙ እዮም ኢሉ። ** ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ፔኒ ዎንግ ነቲ ኣብቲ ዝግበር ረፈረንደም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላኣማ "ኣይፋልን" ዝጉስጉስ ዘሎ ፒተር ዱተን ዝሃቦ መግለጺ ምላሽ ሂባትሉ። ** ኣብ ምዕራብ መልበርን ፡ ክልተ ሞተር ብሽክለታ ተጋጭየን ፡ ክልተ መንእሰያት ተቐቲሎም ፡ ክልተ ቘልዑ ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም ። **ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ብውሕዱ 25 ሰላማውያን ሰባት ብመጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሕክምና እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now