ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መስከረም 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 7 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክተኣታተው ጸዊዖም። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት።፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዋዕላ ክሊማ: መራሕቲ ዓለም ዝተፈላለዩ እማመታት ብምቕራብ ተዛዚሙ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ምስታ ዝዓበየት ናይ ንግዲ መሻርኽታ ዘለዋ ቊጠባዊ ምትእስሳር ንምዕራይ ፡ ምስ ቻይናዊ ፕሪሜር ሊ ኪያንግ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክዘራረብ እዩ ። ** ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳን ጆሴ ዝጠፍአ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር መሃንዲስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ትማሊ ረቡዕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ** መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service