ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መስከረም 2023)
ሓሙስ 7 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ ኣብ ቅዋም ለውጢ ክግበር ድምጾም ክህቡ እዮም። ደቀባት ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ፓርላማ ድምጾም ዘስምዕሉ ኣካል ንክቐውም ህዝቢ "እወ" ይኹን ወይ "ኣይፋል" ኣየድልን ኢሎም ድምጾም ክህቡ እዮም። ኣብዚ ለውጢ ንጹር ዘይኮነ ንምንጻር ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪ ኣድልዎ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ብኣባላት ፀጥታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናት ጉዳያት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ። ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብወተሃደራታ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ ገበናት ዝምልከት መልሲ ሂባ። ኢብ ኢትዮጵያ፡ 35 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሃገራዊ መድረኽ ክዳሎ ፀዊዐን መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ። መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ንለውጢ ነባሪ ኣየር ዝውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክተኣታተው ጸዊዖም። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ከተማ መናፈሻታትን ኣገባባት ኣጠቓቕማኦምን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ነገራት።፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ዋዕላ ክሊማ: መራሕቲ ዓለም ዝተፈላለዩ እማመታት ብምቕራብ ተዛዚሙ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ኣውስትራልያ ምስታ ዝዓበየት ናይ ንግዲ መሻርኽታ ዘለዋ ቊጠባዊ ምትእስሳር ንምዕራይ ፡ ምስ ቻይናዊ ፕሪሜር ሊ ኪያንግ ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ክዘራረብ እዩ ። ** ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳን ጆሴ ዝጠፍአ ናይ ኔትፍሊክስ ሶፍትዌር መሃንዲስ ሞይቱ ከምዝተረኽበ ትማሊ ረቡዕ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም። ** መንግስቲ እስራኤል ጅምላዊ ምጥራዝ ኤርትራዊያን ንከይትግብር ውድብ ሕቡራት ተማሕጺኑ።
Share