SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ለካቲት 2024)

News studio.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕመኣመሪካ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ዓሪፉ። እታ ንሱ ዝመስረታ መርበብ ሓበሬታ ከም ናይ ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ ኪኢላ ኣላ። ስነ ጥበባዊ ኣማኒኤል ኣድሓኖም ካብ ቀንዲ ቀረቡን ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋናትውን ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ዝቐነየ ሓዘን ኮይኑ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ተስፋልደት ዘለዎ ጦብላሕታን ንሱ ዝገደፎ ሓድግን ኣካፊሉና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ል ኡኽናን ካልእ ትሕዝቶታትን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፐርዝ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነን ብቕልጡፍ ዝላባዕን ዘሎ ባርዕ ጫካ ፡ ኣብ ነበርቲ ስግኣት ፈጢሩ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ብሓማስ ዝቐረበ ንድፊ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ነጺግዎ ኣሎ ። ኤርትራ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ ተቓውሞ ከም ዘስመዐት ገሊጻ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ንሎሚ ሓሙስ 08 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ኣውስትራልያ ክልተ ሰባት ብሓባር ምስ ዝነብሩ፣ ብወግዒ ዝተመርዓዉ'ዉን ኣይኹኑ፣ ዝምድንኦም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ዲ ፋክቶ መጻምድቲ ልክዕ ከም ኩሎም ምርዑዋት ዝኾኑ ሰባት ተመሳሳሊ መሰል ዝከላኸለሎም ሕጊ ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። መስራቲን ዋና ኣካያዲን ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ዝነበረ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ሕመኣመሪካ ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 24 ጥሪ 2024 ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም ዓሪፉ። እታ ንሱ ዝመስረታ መርበብ ሓበሬታ ከም ናይ ፈለማ ናጻ መራኸቢ ወጻኢ ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ ኪኢላ ኣላ። ስነ ጥበባዊ ኣማኒኤል ኣድሓኖም ካብ ቀንዲ ቀረቡን ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋናትውን ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ዝቐነየ ሓዘን ኮይኑ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ተስፋልደት ዘለዎ ጦብላሕታን ንሱ ዝገደፎ ሓድግን ኣካፊሉና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ጸብጻብ ል ኡኽናን ካልእ ትሕዝቶታትን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፐርዝ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነን ብቕልጡፍ ዝላባዕን ዘሎ ባርዕ ጫካ ፡ ኣብ ነበርቲ ስግኣት ፈጢሩ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ብሓማስ ዝቐረበ ንድፊ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ነጺግዎ ኣሎ ። ኤርትራ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ ተቓውሞ ከም ዘስመዐት ገሊጻ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now