ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሕዳር 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 9 ሕዳር 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ብዝገበሮ ሰፊሕ ኣበርክቶ ፐን ኤርትራ ናይ 2023 ተሸላሚ ክኸውን መሪጽዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓት ዘዕለለና ካል ኣይ ክፋል ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና።። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዎ፡ " ትግራይ ማእኸል ካልእ ኣዕናዋይ ኩናት ክንገብራ ኣይንፈቅድን።" ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ 4 ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ትግራይ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ተኣልዮም። ውሩይ ደራፋይ ቦብ ጌልዶፍ ናውቲ ትምህርቲ ንትግራይ ኣበርኪቱ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ብዛዕባ ኣዋህባ ኣገልግሎት ዝምልከት ኣኼባ ተኻይዱ። ካልኣይ ዙር ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ምጅማሩ ተሰሚዑ።ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጥዕና ኣእምሮን ሕውየትን ደቂ ተባዕትዮ ንሰላም ሓንቲ ስድራቤት ወሳኒ ባእታ።ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ትማሊ 8 ሕዳር ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽን ኦፕተስ ኣብ ኣውስትራሊያ ጀሚሩ እኳ እንተሎ ፡ ምኽንያት ናይቲ ምቁራጽ ግና ገና ዛጊት ኣይተፈልጠን ። ** ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ጋዛ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት ፡ ምስቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ስርሒታት "ንጹር ጌጋ" ከም ዝዀነ ገሊጹ ። ** " ትግራይ ማእኸል ካልእ ኣዕናዋይ ኩናት ክንገብራ ኣይንፈቅድን።" ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሕዳር 2023) | SBS Tigrinya