ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ጥሪ 2024)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ንሎሚ ሓሙስ 11 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ምስ ምሁር ፖለአቲካ ተ/ፕሮ መረሳ ጸሃየ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።ከነቕርቦ ኢና። እስራኤል ድሕሪ እቲ ብጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንኬን ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍልስጤማውያን እተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝድህስስ ሓደ ትህዝቶ ኣሎና፡ ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ገምጋም ዋጋ ክራይ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ን10 ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ዝተራእየ ወሰኽ ክብረወሰን ሒዙ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ። ኣብ ኲንስላንድ ድሕሪ እቲ ንሰሙናት ብ ትሮፒካል ሳይክሎፕሎን ጃስፐር ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ካልእ ናይ ሳይክሎን ሓደጋ የንጸላልዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ካልእ ከባቢታት ሶማልያን ዝነብሩ ገለ ኢትዮጵያውያን መጥቃዕትን ምፍርራሕን ከምዝበጽሖም ገሊጾም።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service