SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ጽባሕ ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት 2026 ከምኡ’ውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስ እዩ። ንኹሎም ተብዕሉ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ብሩኽ ኣውደኣመትን ንምነየልኩም። ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ሂቦም ኣለዉ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መበል ራብዓይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምዝዛሙ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ግብፂ ብወገና ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ በይናዊ ውሳኔ ደው ከተብል፤ ሊግ ዓረብ ጸቕጢ ክገብረላ ጸዊዓ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ሞሮኮ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኣስሩ መሪሕነት 4 ውድባት ብዋሕስ ክፍትሑ ብቤት ፍርዲ ተፈቒዱ ግን ከም ዘይተፈትሑ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ፓስፖርት ጸገም ይፍታሕ ከም ዘሎ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። እስራኤል ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትሰጒግ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ዝተፈላለዩ ናይ ኣውደኣመት ዜማታትውን ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሞሮኮ ድሕሪ እቲ 6.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ብደረጃ ሃገር ረድኤት ንምትእኽኻብ ጻዕሪ ትገብር ኣላ ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ናይ G20 ዋዕላ ነቲ ናይ መወዳእታ መደረኡ ተጠቒሙ ፡ ሃገራት ኣብ ዚ "ወሳኒ ኩነታት" ተኣኻኺበን ክሰርሓ ተማሕጺኑ ። ** ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 40 ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now