ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ሕዳር 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 13 ሕዳር 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ቀንዲ ክፋል ሓፈሻዊ ጥዕናን ድሕነትን እዩ ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ሰባት ኣካላዊ ሕማም ናይ ምሕማም ዕድሎም ሰፊሕ እዩ ። ሰባት ዝተፈላለዩ ናይ ኣእምሮ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ፤ ይኹን እምበር ምልክታት ናይ ኣእምሮ ጥዕና ፈሊኻ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ ። ነዚዝምልከት ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ 252 ተመሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ። ፕሮጀክታት ህንጸት ማይ ከተማ መቐለን ዓድግራትን ንምጅማር ዕድጊት ናውቲ ከም ዝተገብረ ተገሊጹ ካብ ቤት ህንፀት ከምልጡ ዝፈተኑ ዝተብሃሉ ተሃነፅቲ ሕጊ ብዝተወሰደ ስጉምቲ 4 ተቐቲሎም። --- ሚኒስትር ገነዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለጥ ሪፎርም ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምሕጋዝ ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም። ዝብሉ እዮም ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ቁድስ "ካብዚ ንደሓር ኣይሰርሕን እዩ" ብምባል ኣዊጁ ። ** ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ግብጺ ትርከቦም ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ርክባት ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ** ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታት ካብ ዝረከቡላ ካብ ቀዳማይ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ ሃገር ኮይና።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service