ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መስከረም 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ነቶም ሓድሽ ዓመተ 2016 ከም ኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን ተብዕሉ ደጊምና እንቋዕ ኣብጽሓኩም እናበልና መልእኽቲ ቀሺ ገብረ ብርሃን ፍስሃ ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያምን ሚካኤልን ብርስቤን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመተ 2016 ከምኡውን በዓል ቅዱስ ዮሃንስን። ከነቕርበልኩም ኢና ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ ጸዊዐን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሊዩ ዝበሎ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኣሰረ ተገሊጹ። ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ከም ዝኣተዉ ተሰሚዑ። ኣብ እስራኤል፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብፍቓዶም ንምውፃእ ምንቅስቓስ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ። ዳያስፖራ ትግራይ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ምድላው ንፈተና ዜግነት ኣውስትራሊያ: ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልበኔስ ንኣውስትራሊያውያን ኣብ ረፈረንደም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ክወጹን 'እወ' ከድምጹን ተማሕጺኑ ። ** ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ቱርኪ ኣትዩ። ** ኣሜሪካዊ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ። ** ሓላፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መጻኢ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ክትጻወት ከም ዝደሊ ገሊጹ ኣሎ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service