ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ጥቅምቲ 2023)

World - Tigrinya.jpg

ናይ ሎሚ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣውስትራሊያውያን ነቲ ድምጺ ደቀባት ምእንቲ ክቐውም ሕገ መንግስቶም ክቕየር ዝቐረበሎም እማመ በቲ ኣብ ረፈረንደም ዝሃብዎ ድምጺ ነጺጎሞ። ብዘይካ ACT ሽዱሽቲአን ግዝኣታትን ኖርዘርን ተሪቶሪ ኣብቲ ረፈረንደም ኣይፋል ኣድሚጾም። ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትሕዝቶ ኣለና። ቆልዑ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት'ዮም ናብ መናበይቲ ዝውሰዱ። ን ኣብነት ኣብ ስድራ ዝፍጠር ግጭት ወይ'ውን ንንውሕ ዝበለ እዋን ቆልዑ ኣብ ገዛኦም ዓመጽ ምስዝፍጸሞም እዩ። ስድራኦም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከዕብይዎም ዘይከኣሉ ቆልዑ ንምእላይ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ነዞም ቆልዑ ንኽኣልዩ ጠለብ ይበዝሕ ኣሎ። ትንታነ ዜና ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ መደብ ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዙሓት ቀዳሞት ህዝቢታት ኣውስትራሊያዊያን ውጽኢት ረፈረንደም ንምሕዛን "ሰሙን ስቕታ" ይገብሩ ኣለዉ። ** ሰራዊት እስራኤል መጥቃዕትታቶም ብመሬት ንምስፋሕ ወጢኖም ከም ዘለዉ ዝገልጽ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ይሃድሙ ኣለዉ ። ** ብሄራዊ ሓዘን ትግራይ ሎሚ ሰኑይ ክዛዘም እዩ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service