ናይ ሎሚ ሰኑይ 16 ጥቅምቲ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣውስትራሊያውያን ነቲ ድምጺ ደቀባት ምእንቲ ክቐውም ሕገ መንግስቶም ክቕየር ዝቐረበሎም እማመ በቲ ኣብ ረፈረንደም ዝሃብዎ ድምጺ ነጺጎሞ። ብዘይካ ACT ሽዱሽቲአን ግዝኣታትን ኖርዘርን ተሪቶሪ ኣብቲ ረፈረንደም ኣይፋል ኣድሚጾም። ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ትሕዝቶ ኣለና። ቆልዑ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት'ዮም ናብ መናበይቲ ዝውሰዱ። ን ኣብነት ኣብ ስድራ ዝፍጠር ግጭት ወይ'ውን ንንውሕ ዝበለ እዋን ቆልዑ ኣብ ገዛኦም ዓመጽ ምስዝፍጸሞም እዩ። ስድራኦም ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከዕብይዎም ዘይከኣሉ ቆልዑ ንምእላይ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ነዞም ቆልዑ ንኽኣልዩ ጠለብ ይበዝሕ ኣሎ። ትንታነ ዜና ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ መደብ ትህዝቶና እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዙሓት ቀዳሞት ህዝቢታት ኣውስትራሊያዊያን ውጽኢት ረፈረንደም ንምሕዛን "ሰሙን ስቕታ" ይገብሩ ኣለዉ። ** ሰራዊት እስራኤል መጥቃዕትታቶም ብመሬት ንምስፋሕ ወጢኖም ከም ዘለዉ ዝገልጽ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ይሃድሙ ኣለዉ ። ** ብሄራዊ ሓዘን ትግራይ ሎሚ ሰኑይ ክዛዘም እዩ።
Published
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends