SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ነሓሰ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 17 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣ ናይዚ ትንተና ኢብራሂም ዓሊ ከቕርበልና’ዩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም። * ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም ናይ ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ጳጳስ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንበረ ሰላማ ኣመሰራርታኡ፡ መጻኢ ግድላቱን ኣሰራርሓኡን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ መሰልን ሓላፍነት ዉርሻ: ሕጊ ዉርሻ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብ ጋንታ እንግሊዝ ሰለስተ-ብሓደ ተሳዒራ ። ** ናይ ናይጀርያ ሄሊኮፕተር ኣብ ግዝኣት ኒጀር ተሓምሺሻ። ** ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ኣብ ማይሎማ ዝበሃል መንሽሮ ደም ኣብ ዘካየዶ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዕዉት ምዃኑ ገሊጹ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ሓሙስ 17 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ምረሻ 'ማቲልዳስ' ኣውስትራልያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ 2023 ኣብቂዑ፣ እንግሊዝን ስፐይንን ኣብ ፍጻመ ግጥም ክራኸባ'የን፣ ናይዚ ትንተና ኢብራሂም ዓሊ ከቕርበልና’ዩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንሓድነትን ምትሕቚቛፍን ህዝቢ ወሳኒ ዕድል ምኽፋቱ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ብደቀንስትዮ ብድሙቕ ዝጽምበል በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣንፃራዊ ተስፋ ንምኽባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ኣስሚዖም። * ብጹእ ኣቡነ ኤፍሬም ናይ ኣውሮጳን ኣውስትራሊያን ጳጳስ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንበረ ሰላማ ኣመሰራርታኡ፡ መጻኢ ግድላቱን ኣሰራርሓኡን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ መሰልን ሓላፍነት ዉርሻ: ሕጊ ዉርሻ ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣውስትራሊያ ማቲልዳስ ኣብ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ብ ጋንታ እንግሊዝ ሰለስተ-ብሓደ ተሳዒራ ። ** ናይ ናይጀርያ ሄሊኮፕተር ኣብ ግዝኣት ኒጀር ተሓምሺሻ። ** ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ሆስፒታል፡ ኣብ ማይሎማ ዝበሃል መንሽሮ ደም ኣብ ዘካየዶ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዕዉት ምዃኑ ገሊጹ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now