SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ጥሪ 2024)

News studio.jpg

ንሎሚ ሓሙስ 18 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ግዝኣታት በቲ ብ JN.1 ዝጽዋዕ ንኡስ ዓልየት ቪይረስ ኮቪድ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። እዚ ዓልየት እዚ ኣዝዩ ተመሓላላፍን፡ ብቐሊሉ ንዚጥቃዕ ክፋል ህዝቢ ረዚን ክኸውን ይኽእል እዩ ። እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣውስትራሊያዊያን መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ ብግዜኡ ስለዘይወሰዱ ፡ ኣብ ክኢላታት ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ። ብዛዕባዚ ሃደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣውስትራሊያውያን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ቅልውላው የጋጥሞም እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ቢልዮነራት ግን ብዝሒ ሃብቶም ክብረ-ወሰን ይሕዝ ከምዘሎ’ኸ ፈሊጥኩምዶ፡ ብዛዕባዚውን ክንሕብር ኢና ። ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና የለን፡ ቃለ መሕትትን ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ግና ግዜኦም ሓልዮም ዝቐርቡ መደባትና እዮም። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ ፔኒ ዎንግ ብረቡዕ ምስ ናይ ፍልስጤም መዘንኣ ሪያድ ኣል ማሊኪ ኣብ ዌስት ባንክ ከተማ ራማላ ተራኺባ ። ናብ ሃርጌሳ ትበርር ዝነበረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ካብ ሰበ-ስልጣን በረራ ሶማል ፍቓድ ብዘይምርካባ ዘይተጸበየቶ ብሃንደበት ጉዕዘኣ ኣቋሪጻ ክትምለስ ተገዲዳ ። ስተፋኖስ ትስትሲፓስ ንኣውስትራልያዊ ጆርዳን ቶምሰን ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙርያ ኣውስትራልያ ኦፐን ሓሊፉ ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ንሎሚ ሓሙስ 18 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሓት ግዝኣታት በቲ ብ JN.1 ዝጽዋዕ ንኡስ ዓልየት ቪይረስ ኮቪድ ብብዝሒ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ ። እዚ ዓልየት እዚ ኣዝዩ ተመሓላላፍን፡ ብቐሊሉ ንዚጥቃዕ ክፋል ህዝቢ ረዚን ክኸውን ይኽእል እዩ ። እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣውስትራሊያዊያን መደንፍዒ ክታበት ኮቪድ ብግዜኡ ስለዘይወሰዱ ፡ ኣብ ክኢላታት ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ። ብዛዕባዚ ሃደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣውስትራሊያውያን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ቅልውላው የጋጥሞም እኳ እንተሎ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ቢልዮነራት ግን ብዝሒ ሃብቶም ክብረ-ወሰን ይሕዝ ከምዘሎ’ኸ ፈሊጥኩምዶ፡ ብዛዕባዚውን ክንሕብር ኢና ። ሎሚ ጸብጻብ ል ኡኽና የለን፡ ቃለ መሕትትን ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ግና ግዜኦም ሓልዮም ዝቐርቡ መደባትና እዮም። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ ፔኒ ዎንግ ብረቡዕ ምስ ናይ ፍልስጤም መዘንኣ ሪያድ ኣል ማሊኪ ኣብ ዌስት ባንክ ከተማ ራማላ ተራኺባ ። ናብ ሃርጌሳ ትበርር ዝነበረት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ: ካብ ሰበ-ስልጣን በረራ ሶማል ፍቓድ ብዘይምርካባ ዘይተጸበየቶ ብሃንደበት ጉዕዘኣ ኣቋሪጻ ክትምለስ ተገዲዳ ። ስተፋኖስ ትስትሲፓስ ንኣውስትራልያዊ ጆርዳን ቶምሰን ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙርያ ኣውስትራልያ ኦፐን ሓሊፉ ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now