ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023)

World - Tigrinya.jpg

ናይ ሰኑይ 18 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ነቲ ኣብ ሊብያ ዝወረደ ጥፍ ኣት ዝምልከት ዘሎ ናይ ምድሓን ስርሒት ኩነታት ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ። ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ተበጊሱ። ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣበጊሱ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ዜማታትውን ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ሰንበት (17 መስከረም) ኣብ መላእ ሃገር ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ** ጉጅለ ረድኤት Médecins Sans Frontières ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ንልዕሊ 20 ሰዓታት 471 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ ። ** ልዕሊ26 ጎየይቲ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ ማራቶን ሲድኒ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያዊት ራሕማ ቱሳ ካልኣይቲ ወጺኣ፣



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023) | SBS Tigrinya