ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 መስከረም 2023)

ናይ ሰኑይ 18 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እታ ኣብ ደረቕ መሬት ምሉእ ዓመት ዉዕዉዕቲ ዝነበረት ከተማ ደርና ዋዲ ኣብ ከባቢኣ ብርቱዕ ዝናብ ብምዝናቡ ማያ ዓቂቡ ዝነበረ ዲጋ ፈሪሱ ኣብትሕቲ እቲ ዲጋ ዝነበረ፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ብ 10 መስከረም ኣጥለቕለቖ ። ነቲ ኣብ ሊብያ ዝወረደ ጥፍ ኣት ዝምልከት ዘሎ ናይ ምድሓን ስርሒት ኩነታት ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣለና ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምዝርራብ ይሸባሸብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ክቕጽል ሓቲቱ። ወከልቲ ሃገራዊ ሕብረት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብዛዕባ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲን ሕማማት ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ተሳቲፈን። ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝሞቱ ተሰሚዑ። ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ተበጊሱ። ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ሽቱትጋርት 32 ሰባት ቆሲሎም። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣበጊሱ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ዜማታትውን ክንጋብዝ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ሰንበት (17 መስከረም) ኣብ መላእ ሃገር ናይ ደቀባት ድምጺ ኣብ ፓርላማ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ** ጉጅለ ረድኤት Médecins Sans Frontières ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ንልዕሊ 20 ሰዓታት 471 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ ። ** ልዕሊ26 ጎየይቲ ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ ማራቶን ሲድኒ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያዊት ራሕማ ቱሳ ካልኣይቲ ወጺኣ፣
Share