ሓሙስ 20 ሓምለ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ አቶ ክብሮም ከበዶም ኣብ 1989 ኣብ ዝተፈላለዩ በረኻታትን ጫካታትን ኣውስትራሊያ ጉዕዞ ብእግሪ ንምግባር ካብ ስዊድን ናብ መልበርን ምስ መጸ ኣብዚ ተሪፉ። እቲ ዝገብሮ ንጥፈት እንታይ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባትከ ኣሰር ክስዕቡ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣዕሊሉና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ጎንጺ ከም ዝተወልዐ ተገሊጹ። ነቲ ጎንጺ ንምክልኻል መንግስቲ እቲ ክልል ኣዋጅ እቶ ከም ዝኣወጀ ውን ተሓቢሩ። ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ትግራይ ቀኖና ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ'ዩ ክብል ጉባኤ ቤትፅሕፈት ቤት ክህነት ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ደማሙ ጠቐምቲዶ ጎዳእቲ፧ ምውናን ናይ ገዛ ድሙን ሓላፍነቱን። ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቪክቶርያ ነቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ብሰንኪ ብዝሒ ወጻኢታት ምስ ሰረዘቶ ጸወታታት Commonwealth ናብ ዩናይትድ ኪንግደም ኪመልስ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ፣ ** መራሕቲ ሽዱሽተ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሓሙሽተ ሃገራት ማእከላይ ኤስያን ፡ ኣብ ጂዳ ተኣኪቦም ብዛዕባ ቁጠባውን ክልትኣውን ርክባቶም ይዘራረቡ ኣለዉ ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላን ገአ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ተላዒሉ ብዘሎ ጎንጺ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ።
Published
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends