ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023)

ሓሙስ 21 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ታዝማኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ፡ ሰባት ኣብ ማካይኖም ክሓድሩ ተገዲዶም ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ኣብ ሊብያ ብዛዕባ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኣጠንቂቑ ኣሎ ። ** ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ
Share