ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023)

World - Tigrinya.jpg

ሓሙስ 21 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝማዕበለ ናይ ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ChatGPTብቋንቋ ትግርኛ ክትጥቀመሉ ከም ዝኽእል ማዕቢሉ ኣሎ። ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ድማ ህዝቢ ክጥቀመሉ ንክኽእል ብ ኣፕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባዚ ተክኖሎጂን ብትግርኛ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝብዛዕባ ዘሎ ቻትጂቢቲ ኢንጂኔር ክፍላይ ተወልደብርሃን መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ ገበናት ናይ መከላኸሊ መልሲ ክህሉ ምዃኖም ተገሊጹ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ሶማልያ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ከም ዝፈሸለ ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም። ዕድመ ስራሕ ኮሚሽን መፃረይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ካብ ተኻዕብቶ ሃብቲ ዝኽፈል ግብሪ ወይ ናይ ካፒታል ገይን ታክስ (CGT) እንታይ’ዩ፧ መን’ዩ ዝኸፍልከ፧ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ታዝማኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ፡ ሰባት ኣብ ማካይኖም ክሓድሩ ተገዲዶም ** ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ኣብ ሊብያ ብዛዕባ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኣጠንቂቑ ኣሎ ። ** ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘድሃበ ዘተ ኣካዪዳ



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 መስከረም 2023) | SBS Tigrinya