ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ነሓሰ 2023)

Live Podcast SBS Tigrinya

ሓሙስ 24 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ እብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ከባቢታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኲናት ይሕመስ ኣሎ። ናይዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ካበይ ናበይ፧ ጽልዋ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ተዋሳእቲ እቲ ዞባን ነቲ ኩነታት ናበይ ከብጽሕዎ እዮም፧ ተራ ኤርትራ ኣብዚ ኩነታትን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል ለውጢን ጽልዋኡን ዝምልከት ምስ ዶክተር ሞሓመድ ኬር ዘተ ገይርና ኣለና ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ዋዕላ "ብሪክስ" ኣብ ምብዛሕን ቅልጣፈ ምጽምባር ኣባል ሃገራትን ዝምልከት ዕንቅፋት ከም ዝገጠሞ ተገሊጹ። ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ናብ ምምላስ ከም ዝእቶ ኣፍሊጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕያሽ ጸጥታ ከም ዘሎ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ። ባንኪ ዓለም ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ተሓቲቱ* ብዘይካዚ ብርቱዕ ሙቐትን ደርቅን ዘስዓቦ ባርዕ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ከምዝህሉ ብምትንባይ ህዝቢ ክዳሎ ጻዊዒት ቀሪቡ። ከም ኡውን ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ጆሃንስበርግን ትጽቢታቱን ። ዝገልጹ ትሕዝቶታት ኣለዉና ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዘጋጥም ሕማማት፡ ምኽሪ ንስደተኛታትን ሓደስቲ ወለዲን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ህንዲ ፡ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ፡ መንኰርኰር ጠፈር ብዓወት ዘዕለበት ናይ መጀመርታ ሃገር ኰይና ኣላ ። ** ሓለቓ ጉጅለ ዋግነር የቭገን ፕሪጎዚን ኣብታ ዝወደቐት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብዝነበሩ ምዃኑ ተፈሊጡ። ** ሰበ-ስልጣን ፡ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራሊያ፡ ኣብዚ ጽድያ እዚ ንባርዕ ብዝያዳ የቃላዕ ከም ዘሎ ፡ በዚ ከኣ ነቲ ናይ ሓደጋ እዋን ኣቐዲሙ ከም ዝጅምር ኣጠንቂቖም ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service