SKIP TO MAIN CONTENT

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መስከረም 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሰኑይ 25 መስከረም 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ካብ ህንዲ ክፍለዩ ናይ ዝደልዩ ኣባል ሲክ ዝኾነ ሃርዲፕ ሲንግ ኒጃር ኣብ መሬት ካናዳ ምስ ተቐትለ ፡ ህንዲ ን ዜጋታት ካናዳ ቪዛ ምሃብ ኣቋሪጻ። ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ፡ ነቲ ብዛዕባ ሞት ነጃር ዝምልከት ኣብ ዝግበር መርመራ ህንዲ ኽትተሓባበር ጸዊዑ ኣሎ ።ነዚ ንካናዳን ህንድን ኣብ ዘይምስምማዕ ኣብጺሕወን ዘሎ ጉዳይ ዝድህስስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቐጸለ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ድርድር ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ። ኣብ ኣስመራ “ሓያል ጻዕሪ ንምርግጋጽ ብቑዕን ውሑስን ቀረብ ዘርኢ ስርናይን ዕፉንን” ብዝብል ቴማ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ስርናይን ዕፉንን፡ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጁቡቲ ተመያይጡ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝያዳ ተጻዋርነት ከርእያ ጸዊዖም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ * ትዕግስት ኣሰፋ ሓድሽ ክብረወሰን ማራቶን ደቀንስትዮ ዓለም ብምምዝጋብ ኣብ ከተማ በርሊን ተዓዊታ፣* ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ፓሪስ-ሾውኒ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝድነቕ 7ይ ወጺኡ፣* ኤርትራ ኣንጻር ሞሮኮ ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ክትራኸብ ኣብ ዝተመደበትሉ ንሓያሎ ዓመታት ኣህጉራውያን ግጥማታ ብዘይምክያዳ ኣብ ተርታ ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከይተኻተተት ተሪፋ፣* ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ክለባት ኣፍሪቃ 'ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ' ምስራዊት ጋንታ ኣልኣህሊ ንኢትዮጵያዊት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ 3-0 ስዒራታ፣* ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዝርከቦም ሸሞንተ ተጻወታ ሽቶታት ኣመዝጊቦም ኒውካስትል ዩናይትድ ንሸፊልድ ዩናይትድ ብገፊሕ 8-0 ስዒራታ፣ ሎሚ ሰኑይ ብምዃኑ ጣዕመ ዜማታት ከነቕርብ ኢና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ዝግበር ምድማጽ ጀሚሩ። ** ፈረንሳይ ኣምባሳደራ ካብ ኒጀር ስሒባ ። ** ኣብ ኢትዮጵያ ተሓታትነት ክረጋገጽ ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዑ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now