ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 26 ለካቲት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣውስትራሊያ ንኽቱር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዐት ሃገር እያ ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ናይ ሓዊ ሓደጋ ስርዓተ ዓቐን ተኣታትዩ ኣሎ ፡ ንማሕበረሰብ ከምኡ "ውን ንናይ ህጹጽ እዋን ግብረ-መልሲ ትካላት ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመታት ከጋጥምከሎ ንኽርድኡ ፡ ንኽዳለዉ ፡ ከምኡ" ውን ንዝተፈላለየ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ከም ባርዕ ጫካ፡ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ህቦብላ ንፋስ ፡ ብርቱዕ ዋዒ ዝኣመሰሉ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝሕግዝ ስርዓተ-መጠንቀቕታ እዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ዜማታትን ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሓደ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን ፡ ብዛዕባ ቓዛ ዝምልከት ዝርርብ ኣብ ፓሪስ ይካየድ ከም ዘሎ ፡ ገሊጹ። ስብርባር ናይ ሓንቲ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ከሰል መርከብ ፡ 32 ሰራሕተኛታት ጽዒና ካብ እትጠፍእ 120 ዓመት ዝገበረት ተረኺቡ ። ካብ ደብረ ብርሃን ናብ ደሴ ዝወስድ መንገዲ ተዓፅዩ። ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ፈለስቲ ብዕጡቓት ከምዝተቐተልዋ ኣፍሊጣ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2024) | SBS Tigrinya