SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ታሕሳስ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ንሎሚ ሓሙስ 28 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሳራ በላይ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን እያ። ብዛዕባ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ምርኩስ ዝገበረት ታሪኻዊት ልቢወለድ መጽሓፍ "ጻላም ሳንዱቕ" ጽሕፋ። ብዛዕባ መጽሓፋ ዝምልከት ኣዕሊላትና ኣላ። ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሂወትን ኣካልዊን ጻታውን ዓመጽ የጋጥመን። ኣብ ቤተ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ንኩሉ ዝትንክፍ ዓመጽ እንተኾነ’ኳ፡ ብስደት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ተወሳኺ ሓጹራት የጋጥመን። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶን ጸብጻብ ል ኡኽናን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ናብ ዓሰርተ ክብ ኢሉ ኣሎ ። ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዕዉት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም ። ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ትመርሐን ከምዘላ ተሓላቒ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ሓቢሩ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ንሎሚ ሓሙስ 28 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሳራ በላይ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን እያ። ብዛዕባ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ምርኩስ ዝገበረት ታሪኻዊት ልቢወለድ መጽሓፍ "ጻላም ሳንዱቕ" ጽሕፋ። ብዛዕባ መጽሓፋ ዝምልከት ኣዕሊላትና ኣላ። ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሂወትን ኣካልዊን ጻታውን ዓመጽ የጋጥመን። ኣብ ቤተ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ንኩሉ ዝትንክፍ ዓመጽ እንተኾነ’ኳ፡ ብስደት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ተወሳኺ ሓጹራት የጋጥመን። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶን ጸብጻብ ል ኡኽናን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ናብ ዓሰርተ ክብ ኢሉ ኣሎ ። ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዕዉት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም ። ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ትመርሐን ከምዘላ ተሓላቒ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ሓቢሩ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now