ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ታሕሳስ 2023)
ንሎሚ ሓሙስ 28 ታሕሳስ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሳራ በላይ ጋዜጠኛን ጸሓፊትን እያ። ብዛዕባ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ምርኩስ ዝገበረት ታሪኻዊት ልቢወለድ መጽሓፍ "ጻላም ሳንዱቕ" ጽሕፋ። ብዛዕባ መጽሓፋ ዝምልከት ኣዕሊላትና ኣላ። ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሂወትን ኣካልዊን ጻታውን ዓመጽ የጋጥመን። ኣብ ቤተ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ንኩሉ ዝትንክፍ ዓመጽ እንተኾነ’ኳ፡ ብስደት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ተወሳኺ ሓጹራት የጋጥመን። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶን ጸብጻብ ል ኡኽናን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ናብ ዓሰርተ ክብ ኢሉ ኣሎ ። ሓይልታት ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ዕዉት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም ። ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ትመርሐን ከምዘላ ተሓላቒ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ሓቢሩ።
Share