ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መስከረም 2023)

ሓሙስ 28 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ መንግስቲ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሕግዝ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ፣ "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ' ምዃኑ ተሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክጽግኑ ዝኽእሉ ኮንትራክተራት ኣብ ምሕራይ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ኣውስትራሊያ መኪናኻ ምሻጥ፡ ጠቐምቲ መምዘኒታትን ምኽሪታትን ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጃሲንታ ኣላን ናይ ቪክቶሪያ ሓዳሽ ፕሪሜር ኮይና ተሸይማ። ** ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ** ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ።
Share