ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መስከረም 2023)

World - Tigrinya.jpg

ሓሙስ 28 መስከረም 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ መንግስቲ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓደ ማዕከን ገንዘብ NDIS ፈጢሩ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ስራሕ ንዝዋፈሩ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ። ምስዚ ስራሕ ተተሓሒዙ ዝለዓል ጉዳያት ከብርሃልና ኣብ ፋይናንሲያዊ መዳይ እቲ ስራሕ ተዋፊሩ ነቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሕግዝ ናይ ፋይናንስ ኪኢላ ኣማን መብራህቱ ብዛዕባኡ ገሊጹልና ኣሎ ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዑስማን ሳልሕ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምዝርራቡ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ፣ "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ' ምዃኑ ተሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ክጽግኑ ዝኽእሉ ኮንትራክተራት ኣብ ምሕራይ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ። ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ። ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዜጋታት ብጥሜት ምሟት ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ኣብ ኣውስትራሊያ መኪናኻ ምሻጥ፡ ጠቐምቲ መምዘኒታትን ምኽሪታትን ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ጃሲንታ ኣላን ናይ ቪክቶሪያ ሓዳሽ ፕሪሜር ኮይና ተሸይማ። ** ኣብዚ ዓመት ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ። ** ኤርትራዊት መንእሰይ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሞይታ ከምዝተረኽበት ተሰሚዑ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መስከረም 2023) | SBS Tigrinya