ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2024)

on the Studio.jpg

ንሎሚ ሰኑይ 29 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሕማም ኣእምሮ ኣብ ኣውስትራሊያ ድሕሪ ካንሰርን ሕማም ልቢን ኣብ ሳልሳይ ዝስራዕ ሕማም ኢዩ፡፣እዚ ኮይኑ ግና ብዙሓት ብስደት ዝመጹ ማሕበረሰባት፡ ብሕማም ኣእምሮ ኣዚዮም ምስተሃሲዩ እዮም ናብቲ ኣገልግሎት ዝቐርቡ።ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ከምዘሎ ዘይምፍላጥ፡ እንታይ ክብሉኒ ዝብል ባህሊን ሕጽረት ቋንቋን፡ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ደገፍ ከይረኽቡ ዝዓግትዎም ረቛሒታትዮም እዮም። ነዚ ዘብር ህ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝዓዪ ናይ ኤርትራዊያን መዲያ ኤሪሳት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ መንጎ ቦርድን ኣካየድቲ ስራሕን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ እቲ ክሳብ ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ብመገዲ ሳተላይት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ከቋርጽን ኣብ ቀጻሊ ናይ እንካን ሃባን ፍሕፍሕ ተፈጢሩ ጸኒሑ። ብዛዕባዚ ምስ ኣባል ቦርድ ኤሪሳት ኣቶ ተወልደ እሲፋኖስን ኣባል ኣካየድቲ ኤሪሳት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝተገብረ ዝርርብ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኢብራሂም ዘቕርቦ ዜናታት ; ሙዚቃውን ኣለና ኣርእስታት ዜና፥ ሰሜን ኮሪያ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ማያት ብተደጋጋሚ ክሩጽ ሚሳይላት ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጣ ። ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምትሕሓዝ ዘለዋ ሓንቲ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሖቲ ንሓያሎ ሰዓታት ብሓዊ ተባሪዓ ። ጃኒክ ሲንነር ን ዳኒል መድቨደቭ ብሓሙሽተ ሰት ድሕሪ ምስዓሩ ናይ 2024 ዋንጫ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጨቢጡ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2024) | SBS Tigrinya