SKIP TO MAIN CONTENT

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (31 ነሓሰ 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 31 ነሓሰ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ጋቦን ካልእ ዕልዋ ተፈጺሙ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመጸ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኒጀር ብተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ ምስተገብረ እዩ ። ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ቦንጎን ስድራቤቱን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ንጋቦን ዝገዝአ ኮይኑ እቲ ን56 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ስርወ መንግስትነት ንምንዋሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ኣዊጁ ነይሩ። እቲ ወዲ 64 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ናይ ርድኡኒ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዓረፈ ሓኪምን ደራስን ዶ/ር ክብረኣብ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ምስ ፋርማሲስት ተስፋይ መንግስ ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ተመያዪጦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ጥራሕ 183 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዩጋንዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ምእታዎም ዝተገለጸ 20 ኤርትራውያን ምሓዙ ተሓቢሩ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ናይሮቢን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ጀሚሮም። ደቡብ ሱዳን ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢላ መስመራት መተሓላለፊ ነዳዲ ንምቛም ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ እዮም ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ብዛዕባ ንዝተጎድኡ እንስሳ ዘገዳም ምሕጋዝ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ምቛም ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ረፈረንደም ዝግበረሉ ዕለት ትማሊ ምስተፈልጠ ፡ እተሓዋወሰ መልሰ ግብሪ ይቐርብ ኣሎ ። ** ሰራዊት ጋቦን ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ፡ ፕረዚደንት ጋቦን ዓሊ ቦንጎ ክብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ሓቲቱ ። ** ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል፡ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ከውጽእ ምዃኑ ተሰሚዑ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now