SKIP TO MAIN CONTENT

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (8 ጥሪ 2024)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ን ሎሚ 8 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብውሑዳት ዝተበገሰ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ድሮ ናብቶም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ብኸመይ ተበጊሱን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝሃብዎ ደገፍን ዝምልከት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተግባር ዝኾኑ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ኣቶ ኤፍረም ተኽላይን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣበበን ካብ ዝገለጽዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ገለ ክፋል ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳ ምዕልቕላቕ ማይ ከምዝህሉ መጠንቀቕታታት ቀሪቡ ። ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ፡ ጥቓ ራፋ ብመጥቃዕቲ ኣየር ፡ ክልተ ፍልስጥኤማውያን ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS

Skip to podcast episode content

ን ሎሚ 8 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኹላትኩም በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ተኽብሩ ርሑስ በዓል ክኾነልኩም እናተመነኹ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብውሑዳት ዝተበገሰ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ መስርሕ ድሮ ናብቶም ተጠቀምቲ ክበጽሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓሳብ ብኸመይ ተበጊሱን ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ዝሃብዎ ደገፍን ዝምልከት ኣተሓባበርቲ ናይቲ ተግባር ዝኾኑ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ኣቶ ኤፍረም ተኽላይን ኣቶ ምሉእብርሃን ኣበበን ካብ ዝገለጽዎ እዩ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ገለ ክፋል ቪክቶሪያ ብርቱዕ ነጐዳ ምዕልቕላቕ ማይ ከምዝህሉ መጠንቀቕታታት ቀሪቡ ። ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ፡ ጥቓ ራፋ ብመጥቃዕቲ ኣየር ፡ ክልተ ፍልስጥኤማውያን ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም ። ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ "ዝነጽግ" ሕጊ ፈሪሙ ኣጽዲቑ።

Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now