እዚ ሰሙን ዝሓለፈ ዓመተ ከልቢ ብምስንባት ዓመተ ሓሰማ ብሓጎስ ዝቕበለሉ እዋን እዩ። 5 ለካቲት ንብዙሓት ቻይናዊያን፡ ኮርያዊያን ቬትናማዊያንን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ሓዲሽ ዓመት ዝቕበልሉ መዓልቲ እዩ። እዚ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ፡ ካብ መወዳእታ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ለካቲት ዝውዕል ብምዃኑ: ዝውዕለሉ መዓልቲ በብዓመቱ ይፋላለይ እዩ። ድሮ ሓዲሽ ዓመት፡ ሓዳስ ወርሒ ናይ ሓድሽ ዓመት ትወጸሉ መዓልቲ እዩ ዝውዕል። እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ከመይ ከምዝኽብር ክርእይ እዩ።
መዓልቲ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ምቕባል ካብ ዘበነ ንጉስ ቻይና ህዉንግ ሊ ካብ 2,600 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ እዩ ዝጅምር።
ከምቲ ናይ ምዕራባዊያን ዓውደ ኣዋርሕ፡ ናይ ቻይና ናይ ወርሒ ዓውደ ኣዋርሕውን ኣብ ዑደት ወርሒ እዩ ዝምርኮስ። ብምኽንያት እዚ ናይ መዓልቲ ዑደት መፈለሚ ዓመት ኣብዝኾነ መዓልቲ ካብ መወዳእታ ጥሪ ክሳብ መፋርቕ ለካቲት እዩ ዝኸውን።
ምሉእ ዑደት ወርሒ ወይ lunar cycle 60 ዓመታት ይወስድ። እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ 12 ዓመታት ዘለዎ ናይ ሓሙሽተ ዑደት እዩ።
ኣብ ቻይና፡ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ዝኽበር ሚሊዮናት ቻይናዊያን ካብቲ ፋሕ ዝበልሉ ከተማታት ናብ ዓዶም ዝምለስሉ ብምዃኑ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበይ ምንቅስቓስ ህዝቢታት ዝረኣየሉ ቅነ እዩ፡፣
እቲ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዚዩ ዝረአ እኳ እንተዘይኮነ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ኣብ መላእ ሃገር ይክበር እዩ።
[[ብባህላዊ ኣገባብ ኢና ነኽብሮ። ናይ ቻይና ሓድሽ ዓመት ዝኽበር ምስ ኣባላት ስድራን ዓርከ መሓዛን ብምዃን እዩ፡፣ ንነዊሕ እዋን ተፈሊካዮም ምስዝጸናሕካ ብሓባር ተሕልፈሉ እዋን እዩ፡፣ ብዙሕ ኑድል ትበልዕ እዚ ድማ ነዊሕ ዕድመ ዘመላኽት እዩ፡፣ ኣብ ሃዲሽ ዓመት ቻይና ስጋ ኣይንበልዕን ኢና ኣብክንድኡ ባህላዊ መግቢ ከም ስብቆ ዝበለ ኢና ንበልዕ።}}
እንዳ ኦስቲን ቺን ሳልሳይ ወለዶ ኣውስትራሊያዊ ቻይናዊ ውርሻ ዘለዎም ኮይኑ ሚስተር ቺን ኣብ ዳርዊን ናይ ዘሎ ማሕበራዊ ክለብ ቻይናዊያን ኣውስትራሊያዊያን the Chung Wah Society ፕረሲደንት እዩ።
ከተማ ዳርዊን ካብ 1800ታት ማሕበረሰብ ቻይና ክነብርዋ ዝጀመሩ ከታማ እያ።
ሚስተር ቺን ከምዝብሎ ህዝቢ ቻይና ካብ 1974 ኣትሒዞም እዮም ከም ሮፋዕ ኮይኖም ክሰርሑ ናብ ዳርዊን ክመጹ ዝጀመሩ። ኣብቲ “White Australia Policy” ዝበሃለሉ ዘመን ይኹን ካልእ እዋን ብዙሕ ኣድልዎ እዮም ኣሕሊፎም፣
ንሚስተር ቺን ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ምኽባር ማለት ኣድላዪ ክፋል ህይወቱ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ብተወሳኺ ኣብ ቻይናዊ ዞዲያክ ጽኑዕ እምነት እዩ ዘለዎ።
[[ብርግጽ! 12 እንስሳታት ነፍሲ ወከፎም ድማ 4 ባእታታት ኣለዎም ንሶም ድማ መሬት፡ ሓዊ፡ ሃጺንን ማይን። ሓደ ነገር ድራጎን ወይ ብዕራይ ኮይኑ ወይ ካልእ ኮይኑ ማለት ተመሳሰልቲ እዮም ማለት ኣይኮነን። ዝተወለድካሉ መዓልቲውን ጽልዋ ኣለዎ፡፣ ንገለ ሰብ ዘለዎ ስብእናን ንምፍላጥን ናይ ኣየናይ እንስሳ ተምሳሌት ምዃኑ ንምግማት ኣብ ዉሽጢ 3 ግምት ክፈልጦ ይኽእል እየ።]]
ህዝቢ ካብ ታይ፡ ቻይናዊያን፡ ኮርያዊያን፡ ቨትናማዊያን፡ ጃፓናዊያን፡ ማለዥያዊያንን ኢንዶነዢያዊያን ድሕረ ባይታ ዘለዎምን ካልኦትን ንናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year የኽብሩዎ።
ኣብ ሲድኒ ዝርከብ Fairfield City Council , 21 ሚእታዊ እቲ ህዝቢ ቬትናማዊ መበቆል ዘለዎ እዩ።
ኣብ ቬትናም, ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year Tet, ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ Fairfield's ዝርከብ ዓቢ ማሕበረሰብ ቬትናምውን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣገባብ ኣበዓዕላ ኣለዎም፡፣
ገረብ ማሂ ዘይፍለ ኣካል ቬትናማዊ ፈስቲቫል እዩ፡፣ ንዓበይቲ ኣግራብ ምስላም ተምሳሌት ናይ ሓዲሽ ዓመት ተስፋ እዩ፡፣
ፍራንክ ካርቦነ ናይ Fairfield City Council ከንቲባ እዩ። ኣብዚ ቅነ ኣብቲ ዓቢ ማሕበረ ሰብ ኤሽያ ዘለዎ ከባቢ ምብጻሕ ጽቡቕ ጽቡቕ እዩ ይብል።
[[ብርግጽ ቻይናዊያን ኣለዉና ቬትናማዊያን ኣለዉና , ካምቦዲያዊያን ኣለዉና፡ ላኦሻዊያን ኣለዉና። ብዙሓት ናይ ኣውሮጳ ማሕበረሰብ ኣለዉና፡፣ ኣዚዩ ዘገርም እዩ ብዙሕ ናይ ዕዳጋ ኩነታት ኣሎ ማሕበረሰባት ብዙሕ መግቢታት ይዕድጉ ምኽንያቱ ብባህሎም ኣብ ሓዲሽ ዓመት ሓዲሽ መግቢ ናብ ገዛኦም ከምጽኡ ኣለዎም። ኣብ ጽርግያታትና ናይ ፌስታ ነገራት ኢኻ ትዕዘብ፡፣]]
ኣብ ቪክቶሪያ ድሕሪ ቋንቋ እንግሊዝ ብብዝሒ ተዛረብቱ ቋንቋ ማንድሪን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ፡፣ ብ ኡ መጠን ድማ ኣብዚ ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ኣኽበርቱ በዚሖም ኣለዉ።
ኪ ሶው ኣቦ ወምበር ናይ ቻይናዊያን Chamber of Commerce Victoria.እዩ፡፣ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዝውቱር ባህሊ ንቆልዑን ንዘይተመርዓዉን ብቐይሕ ጶስታ ዓሺግካ ገንዘብ ምሃብ እዩ ይብል።
ቀይሕ ሕብሪ ሕማቕ መንፈስ ኣባሪሩ ጽቡቕ ዕድል ዘመልክት ምዃኑ ይእመነሉ።
[[ኣብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኩሉ ብሓባር ኣምስዩ ዝበለጸ መግቢ ዝብልዓሉ እዩ። ቆልዑ ካብ ምርዕዋት ሰባት ቀይሕ ቦርሳ ዝቕበልሉ ብምዃኑ ሕጉሳት እዮም ዝኾኑ። ካብ ህጻናት ክሳብ ዘይተመርዓዉ ዓበይቲ ሰባት ዝተሓጎሱ ሰባት እዮም።]]
ነፍሲ ወከፍ ሓዳሽ ዓመት ብዝተፍፈላለዩ እንስሳታት እያ ትግለጽ፡ ንቻይናዊ ዞዲያክ 12 እንስሳታት እዮም ዝሰርሕዎ። ንነፍሲወከፍ 12 ዓመታት ሓደ እንስሳ ይምደበላ።
ከምቲ ኣበሃህላ ዘሎ ጎይታ ቡደሃ ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምስንባቱ ንኹሎም እንስሳታት ዓዲምዎም እኳ እንተነበረ እቶም 12 እንስሳታት ጥራይ እዮም ንዕድሚኡ ተቐቢሎም ተረኺቦም፡፣
ቡዳሃድማ ንነፍሲ ወከፎም ዝመጹ እንስሳታት ከከም እቲ ኣመጻጽኣኦም ብሓንቲ ዓመት ኣኽቢርዎም፡ ቀዳማይ ኣንጭዋ፡ ድሕሪኡ ብዕራይ፡ ነብሪ፡ ማንቲለ፡ ድራጎን፡ ተመን፡ ፈረስ፡ ራም, ህበይ, ተባዕታይ ደርሆ, ከልብን ሓሰማን እዮም.
ዋይነ ጸግ ናይ Chinese Precinct Chamber of Commerce ፕረሲደንት እዩ።
ንሱን ጋንታኡን ናይ ቻይና ዞድያክ ምስ ኣውስትራሊያዊ እንስሳ ብምውህሃድ ሕንፉጽ እንስሳ ሰሪሖም ኣለዉ፡ ናይዚ ዓመት ሓሰማ ምስ Echidna.
[[እዞም ኣብ ቻይናዊ ዞድያክ ዘለዉ እንስሳታት ምስቲ ኣብ ኤሺያ ዝርከብ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝመበቆሎም እንስሳታት ማዕረ ስብእነት ዘለዎም ረኺብና ከነመሳስል ፈቲና። ልክዕ እኳ እንተዘይኮነ ኣዚዩ ዝቐረበ እንስሳ ።]]
ናይ ሓዲሽ ዓመት ወርሒ ወይ Lunar New Year ብፍላይ ካብ ኤሽያ ዝመጹ ኣህጉራዊ በጻሕቲ ዝበዝሕሉ እዋን እዩ።
ናይ Tourism Australia's managing director ጆን ኦሱልቪያን ከምዝብሎ ኣብዚ እዋን ናይ ዓመት ኣብ ቁጠባ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።
[[ናብ ኣውስትራሊያ ዝጓዓዙ በጻሕቲ ልዕሊ 10-11 ቢሊዮን ዶላር ኣበርክቶ ኣለዎም።]]
ኣብ ዓመተ ሓሰማ ዝውለዱ ሰባት ብቐሊሉ ዝቐርቡን ቅኑዓትን ከምኡውን ግሩሃትን ተጻወርትን እዮም ተባሂሉ ይእመነሎም።






