SKIP TO MAIN CONTENT

መራሕቲ ህዝባዊ ኣብያን መራሕቲ ውተሃደራዊያንን ሱዳን ዉዕል መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሞም።( ካብ ዜናታት ቀርኒ አፍሪቃ)

Horn of Africa
Source: AFP

ኣብታ ስደተኛታት ጽዒና ተኸርዲና ዝጸንሐት መርከብ ዝነበሩ መሰነይታ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ጥልያን ክኣትዉ ተፈቐዲዎም ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ካውንስልን ቀንዲ ልፍንቲ ተቓወምቲን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት መገዲ ዝመርሕ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ ብወግዒ ፈሪሞም።


Published

By Beyene Semere

Source: SBS


Skip to podcast episode content

ኣብታ ስደተኛታት ጽዒና ተኸርዲና ዝጸንሐት መርከብ ዝነበሩ መሰነይታ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ጥልያን ክኣትዉ ተፈቐዲዎም ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ካውንስልን ቀንዲ ልፍንቲ ተቓወምቲን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት መገዲ ዝመርሕ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ ብወግዒ ፈሪሞም።


መራሕቲ ህዝባዊ ኣብያን መራሕቲ ውተሃደራዊያንን ሱዳን ዉዕል መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሞም።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ካውንስልን ቀንዲ ልፍንቲ ተቓወምቲን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት መገዲ ዝመርሕ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ስምምዕ ብወግዒ ፈሪሞም።

እቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ካርቱም ዝተፈረመ ስምምዕ ህዝቢ ሱዳን ነቲ ን30 ዓመት ኣብ እንግድዕኡ ሰሪሩ ክገዝእ ዝጸንሐ ስር ዓት ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሺር ብናይ ቀጻሊ ሰላማዊ ተቓዉሞ ድሕሪ ምዕላው ዝመጸ ናይ ህዝቢ ሱዳን ዓወት እዩ።

ነቲ ዉዕል ክታሞም ዘንበርሉ ምክትል ኣዛዚ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንሲል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ንሓርነትን ለውጢን ዝተጠርነፈ ጉጅለ ወኪሉ ድማ ኣሕመድ አል ራቢ እዮም።

እቲ ጽምብል ምኽታም ዉዕል ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕረሲደንት ሳልቫ ኪር ወሲኽካ ብዙሓት  መራሕቲ ሃገራት ቀዳሞት ሚኒስተራትን ተረኺቦም ኔሮም።

እዚ ምቕርሐ ስልጣን ብወተሃደራዊን ሲቪላውን ዝቖመ ሉዑላዊ ባይቶ ን ኣስታት 3 ዓመታት ንሱዳን  ክሳብ ወግዓዊ ሃገራዊ ምርጫ ዝግበር ክመርሓ እዩ።

በዚ ዉዕል መሰረት ነቲ 11 ኣባላት ዘለዎ ባይቶ ወተሃደራዊ ቖንሲል ን 21 ኣዋርሕ ቀጺሉ ድማ እቲ ሲቪላዊ ባይቶ ን18 ኣዋርሕ ነታ ሃገር ክመርሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ብተጣበቕቲ ወይ  activists ከምኡውን ሓጋጊ ኣካል ዘለዎ ካቢኔ ከቕውም እዩ።

እቲ ሉዑላዊ ባይቶ ሱዳን ብ ዓብደል ፋታሕ አልቡርሃን ዝምራሕ፡ ምክትሉ ዳጋሎን ሌተናንት ጀነራል ያሰር ኣል ዓጣ ዘለዎ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንሲል ከምዘለዎ ወሃቢ ቃል ናይ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ቆንሲል ንመዲያ ገሊጹ።

በዚ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ዉዕል መሰረት እቲ ሉዑላዊ ባይቶ ካብ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንሲል ዝውከሉ 5 ኣባላት ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ 5 ኣባላትን ክልቲኦም ዝሰማም ዕሉ ሓደ ዘይሻራዊ ብድምር 11 ኣባላት ዘለዎ ባይቶ እዩ።

እቲ ዉዕል ብተወሳኺ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተወስደ ኣንጻር ሰላማዊ ተቓዉሞ ዝምርምር ነጻ መርማሪ ኣካል ከቕውም እዩ።

ህዝቢ ሱዳን ነዚ ምኽታም ዉዕል ተፈራራቒ ብዝኾነ ስምዒት ከምተቐበሎ ካብቲ ቦታ ዝፍኖ ሓበሪታታት የመልክቱ፡ ገለ ወገን ህዝቢ ፍረ መስዋእቲን ዘይሕለል ናይ ይኣክል ተቓዉሞ ፍረ ኣርእዩና ክብሉ ከለዉ ገለ ገለ ድማ እዚ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቆንሲል ነገራት ኣብ ጊዜኦም ከይፍጸሙ ከየዳናጉይ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ፡፤

እዚ ብክልቲኦም ወገናት ተፈሪምሉ  ዘሎ ዉዕል፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዘቕረብዎ እማመን ሽምግልናን መሰረት እዩ።

ኣብ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝወርሑ ህዝቢ እቲ ዝገበርዎ ናዕቢ ፍረ ኣርእዩ ብምባል ክጽምብሉ ከለዉ ጀነራልት ሰራዊት ድማ ነታ ሃገር ካብ ዉግ እ ሓድሕድ ብምንጋፎም ሓበን ክስምዖም ጀሚሩ ኣሎ።

 

ኣብታ ስደተኛታት ጽዒና ተኸርዲና ዝጸንሐት መርከብ ዝነበሩ መሰነይታ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ጥልያን ክኣትዉ ተፈቐዲዎም

ኣብታ ንልዕሊ 2 ሰሙን ተዓጊታ ዝጸንሐት ል ዕሊ 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ናይ ኣድሕን መርከብ ዝነበሩ መሰነይታ ዘይብሎም 27 ቆልዑ ናብ ወደብ ናይ ጥልያን ክወርዱ ናይ ጥልያን ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ዉሽጢ ሃገር ኣፍቂዱ። ክብል ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።

ምስቲ ናተይ ፖሊሲ ዝጻረር ደኣ ይኹን እምበር እቶም 27 ቆልዑ ካብታ ናይ ኣድሕን መርከብ ክወርዱ ይኽ እሉ እዮም” ክብል ሚኒስተር ማተዮ ሳልቪኒ ገሊጹ ኣሎ።

እንተኾነ እቶም 105 እኹላት ሰባትን ክልተ መሰነይታ ዘለዎም ቆሉዑን ኣብታ ብናይ ስፓኒሽ ጉጅለ ረዲኤት ትመሃደር መርከብ Open Arms ክጸንሑ ተወሲዱ ኣሎ።

ድሕርቲ ናይጥልያን ሓለዋ ባሕሪ ነቶም ቆል ዑ ናብ ወደብ ላምፓዱዛ ምውሳዱ "ካብታ መርከብ ምውራድ ናይቶም መሰነይታ ዘይነበሮም ቆልዑ ተዛዚሙ እዩ።” ክብል   Open Arms ብትዊተር መል እኽቲ ሰዲዱ።

 

"ብዙሓት መሓዙትን መጓዕዝቶምን ገዲፎም ስለዝወጹ ብንብ ዓትዮም ተሓጺቦም” ክብል ድማ እቲ መል እኽቲ ገሊጹ።

ሚኒስተር Salvini ከምዝገለጾ እቶም ቆልዑ ካብታ መርከብ ክወርዱ ዝተፈቕደሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ጁሰፐ ኮንተ ድፍ ኢት ስለዘብዝሐ እዩ ኢሉ።

ብሰንኪ ናይዛ ስደተኛታት ጽዒና ደው ኢላ ዘላ ናይ ኣድሕን መርከብ ኣብ መንጎ እቲ ናይቲ ጸረ ስደተኛታት ፖሊሲ ዘለዎ ናይ ሳልቪኒ ሊግን ምንቅስቓስ 5 ኮኾብ ፍሕፍሕ ተፈጢሩ ኣሎ። ክልቲኦም ኣብ ጥልያን ናይ ልፍንቲ መንግስቲ እቑሞም ዘለዉ ኮይኖም ሳልቪኒ ከም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ናይ ኮንተ ህዝበኛ ልፍንቲ ቅድሚ ምርጫ ብዝወሃብ ድምጺ ወሪዱ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ክሕዝ እዩ ዝደሊ።

ብሓሙስ ኮንተ ኣብ ዝዘርግሖ ክፉት ደብዳበ ሳልቪኒ ዘይእዘዝን ንጉዳይ ስደተኛታት ንረብሓ ፖለቲካ ይጥቀመሉ ኢሉ ከሲሱ ኣሎ። ንሱ ወሲኹ ፈረንሳ፡ ሮማኒያ፡ ፖርቹጋል ስጳኛን ለክዘምበርግን ነቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ክወስዳ ድልየት ኣር እየን ኣለዋ ኢሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብታ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ዓቕሊ ምጽባብ ዝተላዕለ ኣብ ነንሕድሕዶም ባ እሲ ከምዘሎ director ናይ Open Arms Oscar Camps ኣፍሊጡ።

ንሱ ብቐዳም ንመራሕቲ ኣውሮጳ  "ድሕነት ናይቶም ኣብ Open Arms ዝርከቡ ስደተኛታት ሓላፍነት ኣይንወስድን” ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እንተኾነ ሳልቪኒ ኣብዝጸሓፎ ናይ ትዊተር መል እኽቲ እታ መርከብ ቅድሚ 16 መዓልቲ ናብ ስጳኛ ከይዳ ኔራ እንተትኸውን እዚ ኹሉ ኣይምተፈጥረን ኢሉ፡፤


Latest podcast episodes

Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now