ኣብዚ ቅነ ጉዳይ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀኒዩ ኣሎ፡ ነዚ ዝምልከት ዘተ SBS ትግርኛ ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት፦ -ህላውነት ሓይሊ ባሕሪን ምሕላውን ምኽባርን ሉኣላውነት፡ -ኣድላይነት ሓይሊ ባሕሪ ን ኣፍደገ ባሕሪ ዝውንናን ዘይውንናን ሃገራት -ዓለማዊ ተመኩሮን ሕጊን አፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራትን ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትማሊን ሎሚን ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ጥሙሕን ሕልሚን ህሉው ክውንነት ኣብ ባይታን፡ ዝብሉን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ተዘትይሎም ኣሎ። ኣቕራቢ- በየነ ሰመረ፡ ተዛተይቲ- ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ኢብራሂም ዓሊን
Share






