ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መስከረም 2023)

ናይ ሎሚ 13 መስከረም 2023 ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፥ ኣብ ሊብያ ብዕልቕልቕ ማይ ልዕሊ 2,500 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ10,000 ሰባት ሃለዋቶም ጠፊኡ። ኣብ ሞሮኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 2900 ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቶም ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ናይ 1 ሚሊዮን ዶላር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ሩስያን ካልኦት ሰበስልጣን ሩስያን ንምዝርራብ ናብ ሩስያ ኣትዮ።
Share