ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ሕዳር 2023)

ንሎሚ 7 ሕዳር 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ምስ ፕረሲደንት ቻይና ኣብ በይጂንግ ተዘራሪቦም። ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ሰብ ኣዊ ረዲኤት ንምቕራብ ተዂሲ ደው ክብል ጸዊዑ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣምባሳደራተን ካብ እስራኤል ይስሕባ ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ምዕልቕላቕ ማይ ዕንወት ኣውሪዱ ፤ 20 ሰባት ምሟቶምን ልዕሊ 12,000 ምምዝባሎምን ድማ ተገሊጹ ።
Share