መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ባሃርዳር ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከምዝሰረዘ ሎሚ ኣፍሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS 9 ነሓሰ 2023)

ናይ ሎሚ 9 ነሓሰ 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ፈለማ ኣርእስታት፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣማራ ከተማ ባሃርዳር ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ከምዝሰረዘ ሎሚ ኣፍሊጡ። ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ኣብ ሃገሮም ዝተፈጸሞም ሰብ ኣዊ ግህሰታት ዝገልጽ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ወጺኡ። ኣብ ዉድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ጋንታ ፈረንሳ ን ሞሮኮ 4-0 ቐዳም ምስ ጋንታ ኣውስትራሊያ ኽትገጥም እያ ።
Share