ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 መስከረም 2023)

ናይ ሎሚ 17 መስከረም 2023 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፈለማ ኣርእስታት: ኣብ ኣውስትራሊያ ዝግበረ ረፈረንደም ህዝቢ “እወ” ከድምጽ ምዃኑ ቀ/ሚ ኣልበነዝ ተስፋኡ ገሊጹ። ኣብ ሊብያ ልዕሊ 11 ሽሕ ዝቐዘፈን ልዕሊ 10 ሽሕ ሃለዋቶም ድሕሪ ምጥፋኦም ዝድሕኑ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድል እናማህመነ ከምዝኸደ ተገሊጹ። ዋና ኣመሓዳሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱልፋታሕ ኣል ቡርሃን ናብ ኡጋንዳ ገይሹ። ኣብ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 8500 ስደተኛታት ብጀላቡ ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ድሕሪ ምእታዎም ህዝቢን ዜጋታትን ኢጣልያ ኣሻቒሉ።
Share