ናይ ሰኑይ 28 ነሓሰ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ናይ ሩስያ መርማሪ ኮሚተ ፡ሓላፊ ጉጅለ ዋግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝሞቱ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ከም ዝዀነ ብመርመራ ዲ.ኤን.ኤ ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ ። ሓያሎ ደገፍቲ ፕሪጎዚን ፡ ሓዘኖም ንምግላጽ ኣብ ሞስኮ ኣብ እተገብረ ሰፊሕ ናይ ዝኽሪ ምትእኽኻብ ተረኺቦም እዮም ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒ ዋግነር የቨንጊ ፕሪጎዚን ኣብታ [ብ23 ነሓሰ] ዝወደቐት ነፋሪት ዝሞቱ ሓደ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ። ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ምስ ሚኒስትራቱ ዝለዓለ ኣኼባ ንምእንጋድ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ፡ ናብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ይበጽሕ ኣሎ ። ** ኣብ መቐለ ብነታጉ ሰባት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ሰብ ከም ዝተትሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
Published
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS
Skip to podcast episode contentShare this with family and friends