ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2023)

World - Tigrinya.jpg

ናይ ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝሓለፈ ሰሙን ብዓወት ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ትስራዕ ኣውስትራልያዊት ሳም ከር ኣብ ልምምድ ተጎዲኣ ብዘይምስላፋ ኣዛራቢ ኮይኑ። እዚ ሓደ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ ዜናታት ስፖርት ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ፕረዚደንት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ 6 ኤጲስ ቆጶሳት ሸይሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተላዕለ ተቓውሞ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ተጽዕኖ ምሕዳሩ ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ገሊጾም። ሎሚ ሰኑይ ስለ ዝኾነ ዝተፈላለዩ ዜማታት ነአንግደሉ መዓልቲ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቍጽሪ እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። ** ፕረዚደንት ዩክረይን ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ 19 ዓይነት ሚሳይላት ተጠቒማ ኢሉ ።



Share
Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service