ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሓምለ 2023)

ናይ ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 2023 ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝሓለፈ ሰሙን ብዓወት ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ፣ ኣብ ዓለም ካብ ብሉጻት ተጻወቲ ትስራዕ ኣውስትራልያዊት ሳም ከር ኣብ ልምምድ ተጎዲኣ ብዘይምስላፋ ኣዛራቢ ኮይኑ። እዚ ሓደ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ ዜናታት ስፖርት ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ፕረዚደንት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ፌስቲቫል ዳያስፖራ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂ ሂቡ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ተዳጉኖም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ 6 ኤጲስ ቆጶሳት ሸይሙ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተላዕለ ተቓውሞ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ተጽዕኖ ምሕዳሩ ኣመሓዳሪ'ቲ ክልል ገሊጾም። ሎሚ ሰኑይ ስለ ዝኾነ ዝተፈላለዩ ዜማታት ነአንግደሉ መዓልቲ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቍጽሪ እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። ** ፕረዚደንት ዩክረይን ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ዝገበረቶ መጥቃዕቲ 19 ዓይነት ሚሳይላት ተጠቒማ ኢሉ ።
Share