ሓጸርቲ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ጥቅምቲ 2023)

ን ሎሚ 1 ጥቅምቲ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና፡ ሓደ ኤርትራዊ ብቐዳም ኣብ እስራኤል ኣብ ሓደ ናይ ሕድሕድ ዕግርግር ተወጊኡ ክመውት'ከሎ ፡ ካልኦት ሸሞንተ ኤርትራውያን ድማ ከምዝቈሰሉ ተፈሊኦጡ። ኣንስቲ መጠን መንሽሮ ጡብ ኣብዝውስኸሉ ዘሎ ንጥዕና ኣጥባተን ብዕቱብ ክከታተላ ምሕጽንታ ቀሪቡ ። ትማሊ ቀዳም ኣብ መልበርን ኣብ ዝተኻየደ ናብ መወዳእታ ግጥም ኤ ኤፍ ኤል ወይ ፉቲ ጋንታ ኮሊንግዉድ ፡ ን ብሪዝቤን ላየንስ ብኣርባዕተ ነጥቢ ብልጫ ስዒራ ዋንጫ ዓቲራ።
Share