ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም።

ንሎሚ 5 ነሓሰ 2023 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፈለማ ኣርእስትታቶም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺን ናዕብን 52 ሰባት ቆሲሎም። ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ፡ ዉግእ ቀጺሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብቲ ኣብ ኖርዘርን ተሪቶርዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ጋርማ ተረኺቡ፡ ህዝቢ ኣብቲ ንድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ዝግበር ረፈረንደም እወ ከድምጽ ጎስጒሱ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝተቓልዑ ሰባት ልዕሊ 20 ሚልዮን.
Share